Home ዜና ምቁራፅ ግልጋሎት ሕክምና ሆስፒታል ኲሓ

ምቁራፅ ግልጋሎት ሕክምና ሆስፒታል ኲሓ

983

ሆስፒታል ኲሓ ብዘጋጠሞ ሕፅረት መድሓኒት ዝህቦ ዝነበረ መጥባሕታዊ ሕክምና  ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ፡፡

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ኩለ መዳያዊ ግልጋሎት ሕክምና እናሃበ ኣብ #ትግራይ ግልጋሎት ትምህርትን ስልጠናን ሕክምና ዓይኒ ዝህብ ብሕታዊ ሆስፒታል እዩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ኣብ ትግራይ ብዝተነበረ ዕፅዋን ክባን እቲ ሆስፒታል ብዘጋጠሞ ሕፅረት መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ግልጋሎት ናብ ዘይህበሉ ብርኪ ከም ዝበፅሐ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ መረሳ ገ/ስላሰ ገሊፆም፡፡

እቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣብ መዓልቲ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ጥራሕ ልዕሊ 4 ሚኢቲ ወገናት የተኣናግድ ከም ዝፀንሐ ዝገለፁ ኣይተ መረሳ ሐዚ ግን ልዕሊ 92 ሚኢታዊ ዝነበረ ቐረብ መድሓኒት ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ናብ 31 ሚኢታዊ ብምዉራዱ ዝወሃብ ዝነበረ ግልጋሎት መጥባሕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ደው ከም ዘበለ ኣረዲኦም፡፡

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ክብሮም ተወልደ ብግድኦም መብዛሕትኦም ናዉቲ ሕክምና ብፍላይ ድማ ቐረባት ላባራቶሪ ናብ ትሕቲ 20 ሚኢታዊ ብምዉራዶም ግልጋሎት ንምሃብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡

ምስ እዙይ ተኣሳሲሩ ኣብቲ ሆስፒታል ዝወሃብ ዝነበረ ክትትል ወሊድ ኣዴታትን ሕክምና ህፃናትን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሕፅረት መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ኣብ ኣዴታትን ህፃናትን ብርክት ዝበለ ሞትን ዘይተደለየ ምንፃል ጥንስን ከም ዘጋጠመ ዶ/ር ክብሮም ተወልደ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ይብሉ ዶ/ር ክብሮም ኣብቲ ሆስፒታል ዝከታተሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት እዉን ዝወስድዎ ዝነበሩ መድሓኒት ብዘይምርካቦም ግዳይ ሞት ዝኾኑ ከም ዘለዉን ብርክት ዝበሉ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተፈለጠ ኣረዲኦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ እዉን ኣብቲ ሆስፒታል ንተገልገልቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ግልጋሎት ምግቢ ደው ከምዝበለን በዙይ እዉን ደቂሶም ዝሕከሙ ከምዘየለዉ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ልዕሊ 440 ሰራሕተኛታት ሒዙ ኩለመዳያዊ ግልጋሎት ጥዕና ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኣብ መላእ ትግራይ እንዳተዘዋወረ ኣብ ዓመት ልዕሊ 8 ግዜ ምርመራን መጥባሕትን ዓይኒ ዝህብን ካብ ጎረቤት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዝመፁ ክፋላት ሕ/ሰብ እውን ተጠቀምቲ ዝገብር ዝነበረ እዩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና እቲ ሆስፒታል ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ኣብ ሓደጋ ምዕፃው በፂሑ 160 ሰራሕተኛታቱ ብሰንኪ ጥምየት ተበታቲኖሞ ከም ዘለዉን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ መዳይ ጥዕና ዝነጥፉ ማሕበራትን ድማ ቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ ክረባረቡ ፃዊዕት ቐሪቡ፡፡

ብህይወት ብርሃነ