Home ዜና ምትእጉጓል ተጓዓዝቲ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ

ምትእጉጓል ተጓዓዝቲ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ

2474

መንግስቲ ትግራይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጎዓዙ መንገደኛታት ዘንበሮ ክልከላ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ፌደራል ይዛራረብ ከምዘሎ ተፈሊጡ፡፡

19 ታሕሳስ 2015 ዓ/ም ናብ መቐለ በረራ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ክልል ዕድመ መንእሰይ ንዝርከቡ መንገደኛታት ካብ ጉዕዞኦም ይስርዞም ምህላው መረዳእታታት የመላኽቱ ኣለው፡፡

ትማሊ 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምጉዕዓዝ ትኬት ኣየር ቆሪፆም ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተረከቡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ መንግስቲ ፌደራል ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ ብዝብል ጉዕዝኦም ከምዝተሰረዘ ተዛሪቦም፡፡

ካብ መንጎ ጉዕዞኦም ዝተሰረዙ መናእሰይ ንህፁፅ ሕክምና ዝጉዓዙ ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ክልከላ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ፌደራል ይዘራረብ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡