Home ዜና ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመር ውግእ

ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመር ውግእ

5312

ንምርግጋፅ ውሑስ ድሕንነትን ብዘላቕነት ሰላም ንምርግጋፅን  ጥቅምቲ 23 /2015 ዓ/ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያን ሕዳር 3 /2015 ዓ/ም ኣብ ኬንያ ናይሮቢን ብመሰረት ዝኣተውዎ ውዕሊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ክልቲኦም ሓይልታት ሰራዊቶም ካብ መስመር ውግእ ምውፃእ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመር ውግእ ምውፃእ ጀሚሩ

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ስራዊት ትግራይ ካብ መስመራት ዛላንበሳ፣ ማይቅነጣል፣ ነበለት፣ ጨርጨር በሪ ተኽላይ፣ ሕጉምብርዳን ኣበርገለን ምስ ሙሉእ ዕጥቁ ካብቲ ምስመር ውግእ ምውፃእ ጀሚሩ።

 ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዕሊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ግብራዊ ንምግባር ሰራዊት ትግራይ በቢ ብርኩ ብምዝታይን ብምርድዳእን ብዘላቕነት ሰላም ዝመፀሉን ዝፍፀመሉን ኣገባብ  ሰራዊት ትግራይ ዝከኣሎ ኹሉ ይገብር ከምዘሎ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ተዛሪቦም

ሰራዊት ትግራይ ካብ ምውሓስን ምሕላውን ሰላም ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ካልእ  ዋኒን ኣይንበሮን ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመር ውግ እ ምውፃእ ነቲ ዝተቃልስሉ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከምዘረጋግፅ ብምእማን ንተግባራውነት  እቲ ስምምዕነትን ሙሉእ ትግበርኡን ከምዝቅፅልሉ ኣረጋጊፆም።