Home ዜና ምጅማር ስራሕ ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መስል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ

ምጅማር ስራሕ ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መስል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ

1363

ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መስል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ ብዕሊ ስርሑ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ዘለው ግፍዕታት ፅንተትን ኣፅኒዑ ብምስናድ ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ሕጊ ቅሪቦም ክሕተቱ ከምዝፅዕር ገሊፁ፡፡
ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ ከም ማሕበር ደቂ ኣንሰትዮ ትግራይ፣ ማሕበር ደቂ ስውኣት ትግራይ፣ ማሕበር ጉድኣት ኣካል ደቂ ኣንሰትዮ ትግራይን ትካል ማሕበራዊ ግልጋሎትን ልምዓትን /ኦሳድ/ ዝበሉ ነፃን ገለልተኛን ዝኾኑ12 ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ኣብ ውሽጢ ሓቂፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ዝተተለመን ዝተዋደደን ምፅናት ዘርኢ ኣፅኒዑ ብምስናድ ምስ ዓለም ለኸ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ሕጊ ንምቕራብ ስርሑ ከምዝጀመረ ተገሊፁ፡፡
ኣቦ ወንበር እቲ ጥምረት ኣይተ ሰለሙን ሃይሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ መረዳእታ ብምእካብ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ዘብፅሑ ዘለው ገበነኛታት ፍርዶም ክረኽቡ ዝለዓለ ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፆም ፡፡
ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ምብሳር ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ዲፕሎማስን ብዝብል ርእሲ ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፣ ብዋና ፈፃሚ ዳይሬክተር ሕብረት ስቪክ ማሕበረሰብ ትግራይ ፣ረዳት ፕሮፌሰር ያሬድ በርሀ ድማ ግደ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ምቅላዕን መረዳእታ ምእካብን ሰብኣዊ ጥሕሰት ትግራይ ዝብሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ተዘትይሎም እዩ፡፡
ብጎይተኦም ተኸስተ