Home ዜና ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

1459

ዕድላት ስምምዕ ሰላም ፀንቂቕና ንምጥቃም እዋኑ ዝጠልቦ ቃልስና ነሐይል!

ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ረብሓ ህዝብታት ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዘኽእል ስጉምቲ እዩ። እዚ ስምምዕ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ዕድል ዝፈጥር ስለዝኾነ በዚ መስርሕ ኣቢልካ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ምስርሕ ኣብ ዝጠልብ ምዕራፍ ኣቲና ኣለና። ብምዃኑ ድማ ህዝብና ካብዚ ስምምዕ ሰላም ክረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ፀንቂቑ ንክጥቀም ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ትግራዋይ ሓድነቱ ዝያዳ ብምጥንኻር ኩለመዳያዊ ቃልሱ ከሐይል ይግባእ።

እዚ ስምምዕ ናብ ተግባር ንክኣቱ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘለዎም ባህግን ቅሩብነትን ሕቶ ዝለዓለሉ ኣይኮነን። ከይዲ ሰላም ንምስላጥን ብዝግባእ ንምትግባርን ዝሕግዙ ዕማማት ብቆራፅነት ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ነዚ ከይዲ ዘተዓናቕፉ ኣካላት ብፅንዓት ምቅላስ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ከይዲ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ እናገበሩ ዝመፅኡ ኣካላት ነቲ ክሳብ ሕዚ እናካየድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዝበለፀ ኣጠናኽሮም ክንቕፅሉ ይግባእ።

በቲ ካልእ መዳይ ኣካል ናይዚ ስምምዕ ዘይኮኑ ግን ድማ ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት እናፈፀሙ ዘለዉ ሓይልታት ከይዲ መስርሕ ሰላም ንምዝራግ ዝተፈላለዩ መናውራታት እናሰርሑ ክቕፅሉ ድልየት ከምዘለዎም ክስሓት የብሉን። ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሓሳባት እናቃለሑ በቲ ሓደ ገፅ ሓድነት ህዝብና ንምዝራግ፤ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናብ ዘየድሊ ጎንፂ ንከእትዉ ብቐፃልነት ምስርሖም እውን ዘይተርፍ እዩ። ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ በደላት ኣካል ናይ ምዝራግ መደባቶም ተገይሩ ዝውሰድ እዩ። ስለዝኾነ ናይዚ ኣቲናዮ ዘለና ልዑል ጥንቃቐን ብስለትን ዝሓትት ፍሉይ ምዕራፍን ባህርያቱን ብዝግባእ ተረዲእና፤ ኣብዚ ከይዲ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፈተናታት እናሰገርናን እናመከትናን፣ ረብሓታቱን ዕድላቱን ፀንቂቕና ንምጥቃም ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክንገብር ግድን ይብል። ነዚ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ሕድሕድ ትግራዋይ ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ብምክያድ ህልውና ህዝብና ብዝተማልአ መንገዲ ውሑስ ንምግባር ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብሙሉእ ዓቕሙ ከምዝረባረብ እምነት መንግስቲ ትግራይ ልዑል እዩ።

ዋሕስ ህላወና ሓፂናዊ ሓድነትና!!

ትግራይ ትስዕር !!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ !!

16 ሕዳር 2015 ዓ.ም

      መቐለ