ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ መስተንክራዊ ተጋድሎን ብፋሽስታውያን ወረርቲ ዘብፅሕዎ በደላትን ንምስናድ ዝዓለመ መድረኽ ኣብ ወረዳ ናዕዴር ተሳሊጡ፡፡
ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ /ወዲ ወረደ/ ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊቱ ሓቦን ጥንካረን ብምዃን ወሳኒ እጃም ከም ዝተፃወተ ሓቢሩ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተረከበ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ /ወዲ ወረደ/ ፀጉሪ ርእሲ ዝኾኑ ፀላእቲ ንትግራይ ወሪሮም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ካብ ስሩዕ ውግእ ናብ ደባይ ንኽሰጋገር ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ዝነበረ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ናዕዴር እቲ መሪር ቃልሲ ኣብ ሓፂር እዋን ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ከምዝዛዘም ብምትንባይ ተጋደልቲ ሓቦን ፅንዓትን ወኒኖም ክቃለሱ ከምዘኽአሉ ኣፍሊጡ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኩሉ ነገር ስኢኑ ክድንቁር፣ ክፀንትን ፀላእቲ ዝከኣሎም እከይ ተግባር ምፍፃሞምን ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ ዝበለ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ኩሉ ብምዃኑ ታሪኽና ብዝግባእ ሰኒድና ቀፃሊ ወለዶ ከምቶም በቢዘበኑ ዝሓለፉ በደላት ከይበፅሖ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ጠጠው ንኽብል ፀላእቲ ናይ ኢዶም ንክረኽቡ ኩሉ ክቃለስ ምዒዱ፡፡

ወረርቲ ሓይልታት ክባን ዕፅዋን ብምክያድ ህዝቢ ትግራይ ንኽፀንት ኩሎም ዓይነት በደላት እንተብፅሑ ሰራዊት ትግራይን ህዝብናን ከበድቲ ዋጋታት ከፊሎም ብወሳናይ መልክዑ ካብ ትግራይ ተፀራሪጎም ክወፁ ከምዝተጋደሉ ዝገለፀ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ተጋዳላይ የውሃንስ ወልደጊዮርጊስ /መዲድ/ ኮይኑ ግና ገዛእቲ ደርብታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከብፅሕዎ ዝሓስቡ እከይ ተግባር ንኸብቅዕ ክንቃለስ ይግባእ ኢሉ ፡፡

ፀላእቲ ጠንኪርካ ተቓሊስካ ምስዓር ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ብምስናድ ቀፀልቲ መፍትሕታት ዘናድዩ መፅናዕትታት ተኻይዶም ብቐፃልነት ህልዉና ህዝቢ ትግራይ ዉሑስ ዝኾነሉን ልምዓት ዘይዕንቀፈሉን ባይታ ንኽፍጠር ይግበአኒ በሃሊ ክሰርሕ ተጋዳላይ የውሃንስ ወልደጊዮርጊስ ፀዊዑ፡፡
ብገ/መስቀል ኪሮስ