Home ዜና ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ካብ ትግራይ ከምዘይወፀን ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎን ላዕለዋይ ኮሚሽን...

ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ካብ ትግራይ ከምዘይወፀን ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡

899

ምክትል ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣል ናሽፍ ኣብ ጀኔቫ ይካየድ ኣብዘሎ መበል 52 ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ተረኺበን ኣብዘቅረብኦ ፀብፃብ ብመሰረት ኣብ ደቡብ ኣፈሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕነት ሰላም ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ ሕዚ እውን ከምዘይወፀን ግፍዒታት ይፍፅም ምህላዉን ኣብሪሀን፡፡

ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕነት ምድንጋዩ ዝገለፃ እተን ምክትል ኮሚሽነር ሕዚ እውን ሰራዊት አርትራ ካብ መሬት ትግራይ ንክወፅእ ጥቡቅ ቁፅፅርን ክትትልን ከምዘድሊዮ ኣተሓሳሲበን፡፡ ምክትል ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣል ናሽፍ ሰራዊት ኤርትራ ዓለምለኸ ሕጊ መሰል ሰባትን ሕጊ ሰብኣውነትን ከምዝጠሓሰ ኣብልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ግፍዒታት ምፍፃሙ ብዓለም ለኸ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተረጋገፀ ዝገለፃ እንትኾና እዞም ዓለም ለኸ ገበናት ድማ ብዓለም ለኸ ዘይሻራዊ ትካላት እንበር ብናይ ውሽጢ ፍትሒ ፍትሒ ክረጋገፅ ከምዘይኽእል ገሊፀን፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ኩናት ትግራይ ኣብ ኤርትራ ዘየቃረፀ ግፋን ማእሰርቲን መናእሰይ ምስዋርን ካልኦት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራውያን ከምዝቐፀለ ነዚ ደው ንምባል ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክውሰድ ድማ እተን ምክትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣል ናሽፍ ኣተሓሳሲበን፡፡

ብ ገ/ሄር ታደለ