Home ዜና ስቓይ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ሱዳን

ስቓይ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ሱዳን

1113

—-

ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ትግራይ መሰሎም ንክሕለወሎም ክሰርሑ ከምዝግባእ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ሓቲቱ፡፡

ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ #ኲናት ናብ #ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ዘሎ ስቓይ ጠጠው ንክብልን መሰሎም ንክሕለወሎምን ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሰርሕ ከምዝግባእ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ሓቲቱ፡፡

እቲ ዓለም ለኸ ማሕበር ናብ ሓላፊ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣክሴል ቢስቾፕን ናብ ዋና ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ ስደተኛታት  መሰል  ስደተኛታት ትግራይ ክኽበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም፣ መንግስቲ ሱዳንን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ጀኖሳይድ ዝተፈፀሞ ህዝቢ ተቐቢሎም ምትእንጋዶም ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ይኹን እምበር ኣብቶም መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት ትግራይ ብሓደጋ ውሕጅ፣ ሓያል ንፋስን ባርዕን ይጥቅዑ ብምህላዎም ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ከካይዱ ከምዝግባእ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡

ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍርቂ ክንኪ ምውሳኑ ኣብ ህይወት እቶም ወገናት ከቢድ ጉድኣት  ከምዘብፅሐን መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ  ምንካይ ትክክል ከምዘይኮነን ድማ  እቲ ደብዳበ ኣመላኺቱ፡፡ ሕዚ እውን እንተኾነ ከምምግቢ፣ ግልጋሎት ጥዕና፣ መፅለሊን ካልኦት ኣድለይቲ ግልጋሎታትን ብግቡእ ክረኽቡ ኣለዎም ኢሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዘይሕጋውያን ደለልቲ ስደተኛታት ትግራይ ናብ ካልኦት ሃገራት ክንሰደኩም ኢና እናበሉ ፆታዊ መጥቃዕቲ ይፍፅሙን ህይወት ብዙሓት ኣብ ሓደጋ የውድቑን ስለዘለዉ ጥቡቕ ስጉምቲ ክውሰድን ድሕንነት ስደተኛታት ክሕለውን እውን እቲ ደብዳበ ኣመልኪቱ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ