Home ዜና ኲናት ዝወለዶ ጥሜት ኢትዮጵያ

ኲናት ዝወለዶ ጥሜት ኢትዮጵያ

799
0

ኢትዮጵያ ካብ ናይ 1977 ዓ.ም ዝኸፍአ ድርቂን ኲናትን ዝወለዶ ጥሜት ገጢምዋ ምህላዉ ዋሽንግቶን ፖስት ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ብ 1977 ዓ.ም ካብ ዝጋጠማ ድርቂ ዝበኣሰ ገጢምዋ ምህላዉን፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ተወሲኽዎ ካብ ቁፅፅራ ወፃኢ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዋሽንግተን ፖስት፤ ብድርቂ ዝተጎድአ ክፋል ሕብረተሰብ ንምግቢ ክብል ዝበዝሕ ጥሪቱ ይሸይጥ ምህላዉ ገሊፁ፡፡

እንስሳት ብምርባሕን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱን ክፋላት ሕብረተሰብ ዝበዝሓ እንስሳተን ምሟተን ዘዘኻኸረ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፤ ዋላ እኳ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ገንዘባዊ ሓገዝ እንትገብራ ብሰንኪ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ግዳይ ኲናትን ድርቂን ዝኾነ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ መላእ እታ ሃገር ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕን ብጥሜት ዝተጠቕዐ ህዝቢ ንምድሓንን ከም ዘይተኽኣለ ድማ ሓቢሩ፡፡

ኣሜሪካ ንኣፍሪካ ካብ ዝሃበቶ 6.6 ቢልዮን ዶላር እቲ 3.1 ቢልዮን ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፀገሙ 20 ሚልዮን ህዝቢ ምምዳቡ ምንጭታት ዝጠቐሰ እቲ ጋዜጣ፤ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናትን ዝቕፅል ዘሎ ድርቂን እቲ ጥሜት መሊእኻ ንምውጋድ መፀገሚ ገይርዎ ምህላዉ ገሊፁ፡፡

ነሓሰ 9/2014 ዓ.ም መግለፂ ዝሃበ ፍሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂን ጥሜትን ዝበሃል የለን ክብል ምዝራቡ ይዝከር፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleBreaking News!
Next articleስቓይ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ሱዳን