Home ዜና ቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)

ቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)

1234
0

ክሳብ ዘበነ ንግስነት ይስሃቅ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ፀብለልታ ዝፀንሑ ደቂ ትግራይ፤ ኣብ ዘመነ ስልጣን ዘርኣያዕቆብ ብዝጠጠዐ ተንኮል ቤተ ኣማራ ኣቦታትና ሓዱሽ ሓደጋ ክወርዶም ጀሚሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ሃይማኖታዊ ቅዋም ሒዞም ክካትዑ ንዝፀንሑ ልዕሊ 500 ምሁራን ትግራይ ፀረ-ማርያም ዝብል ታርጋ ተለጢፍሎም ክኽሰሱን ሰዓብቶም ዝኾኑ ደቂ ትግራይን ምድሪ ባሕን ድማ ደቂቀ “እስጢፋ” ወይ ድማ ተኸተልቲ ሰይጣን ብዝበል ክንገላትዑን ጀመሩ፡፡

ብሰንኪ ምጡቕ ኣተሓሳስበኦምን መንነቶምን ጥራይ ኣብ መሬት ከይነብሩ ተፈሪዱሎም፡፡ካብ ሽዋ ብጎጃም ኣቢልካ ክሳብ ጎንደርን ሸረን፤ ከምኡ ድማ ካብ ደብረብርሃን ብወሎ ክሳብ ደብረቢዚን ኣብ ዘሎ መንገዲ ተኸተልቲ ኣባ እስጢፋኖስ ዘዕቖበ ወይ ድማ ምስኣቶም ዝተዛረበ ወይ ድማ ዝተማኸረ ንብረቱን ሂወቱን ይስእን ዝብል ኣዋጅ ተኣዊጁ፡፡ ኣብ ክትዕ መገባእያ ደብረ ዒባ ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ክዕዘቡ ዝተጓዓዙ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ምሁራን ትግራይን ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስን፤ በቲ እዋን ኣሓው ዝብል መፀውዒ ዝነበሮም ወገናት ድሕሪ እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ዕድል መራሕቶም በፂሕዎም፡፡

መራሕቶም ብዘይ ኣግባብ ክቕተሉን ክፍረዱን ምስ ራኣዩ ናብ ትግራይ ገፆም ክሃድሙ እኳ እንተፈተኑ ኣብ ገፆም /11/ ክልተ ትላሓት ብየማነ ፀጋም ኣዒንቲ ብምጥባሕ ከም ምልክት ክፍኣት ተባሂሉ ብትእዛዝ ዘርኣያቆብ ዝተተግበረ ምዃኑ መምሀር ገ/ኪዳን ደስታ ጠቂሶምዎ ኣለዉ፡፡እዘን ክልተ ትልሓት መርኣያ ጅግንነት ዘርአያቆብ ኣብ ገፅ ተጋሩ ብመልክዕ ፈርማ ዘርኣያዕቆብ ናይ ስሙ ፈላማይ ፊደል “ዘ” ዝብል ኮይኑ ከምዝተሰርሐ ድማ ኣብ ዓውዲ ምርምር ታሪኽ ዝነጥፉ ምሁራት ይስማዕምዑሉ፡፡

ሃይማኖታዊ ምንስቓስ መሲሉ ዝተጀመረ መኸተ ተጋሩ፣ ኣብ ኩሎም ግንባራት ክስፋሕፋሕ ጀሚሩ፡፡ ድሕሪ ንጉስ ኢዛና ቋንቋ ግእዝ ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ክዓቢ፣ ፍልስፍና ምህዞታትን ስነ-ዝራእቲ ከምኡ ድማ ኣብ ዘበነ ኣኹሱም ተቋሪፁ ዝፀንሐ ስነ-ህንፃን ኪነ-ጥበባትን ክዕንብብ ጀሚሩ፡፡ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ክዕንብቡ ጀሚሮም፡፡ ምጥጣዕ ስነ-ሓሳብ ተጋሩ ዘይተውሓጠሎም ሸዋዊያን፣ በቲ ኣብ ትግራይ ክዕንብብ ዝጀመረ ስነ-ልቦናዊ ልዕልነት ልቦም ክቃፀል ጀሚሩ፡፡ ብሙዃኑ ድማ ኣብ ትግራይን ምድረ-ባሕርን ከምብሓዱሽ ዝተሰርሓ ኣብያተ ክርስትያናት ኮነ ኢሎም ክድምስስወን ጀመሩ፡፡

ንስሙ ክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ ነስፋሕፍሕ ኣለና ክብሉ ዝፀንሑ ነገስታት ቤተ-ኣማራ፤ ብስነ-መለኮትን ኣተሓሳስባን ትግራይ ዝተሃነፃ ኣብያተ ክርስትያናት ብምንዳድ ስዓብተን ብኣልማሚት የፅንትዎ ነበሩ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ፈላማይ ጀኖሳይድ፤ ብክልተ ምዕራፍ ዝተፈፀመ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እምነትን ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ዝኾኑ ፈለስቲን ገዳማውያንን፤ ብሓፈሻ ኣብቲ እዋን ምሁራት ትግራይ ንምፅናት ዝተኻየደ ከም ቀዳማይ ምዕራፍ ተጌሩ ይውሰድ፡፡

ዶክተር ጌታቸው ሃይሌ “በህግ ኣምላክ” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ከም ዘስፈርዎ፤ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝወረደ ከቢድ ግፍዒ ኣሽንኳይ ሰብ ፈጣሪ ሓዚኑ፡፡እዛ ሎሚ ካብ ፊንፊኔ 120 ኪሎ ሜትር ንሰሜን ዘላ ከተማ ደብረብርሃን ብዝብል ዝተሰየመት ዋና ከተማ ሰሜን ሽዋ፤ ኣብቲ እዋን ደብረ ኤባ ብዝብል ስያመ እትፍለጥ ኮይና ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ኣቦታትና ድሕሪ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ንለይቱ ኣብቲ ቦታ ሓያል ብርሃን ዝወረደ ምዃኑ ስዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ይኹኑ ደቂቀ ቤተ ኣማራ ብዘይ ኣፈላላይ ይስማዕምዕሉ፡፡ ስያመ እታ ከተማ እውን ካብ ደብረ ኤባ ናብ ደብረብርሃን ዝብል ከም ዝተለወጠት እውን ሓበራዊ ምርድዳእ ኣለዎም፡፡ እንተኾነ ግና ኣብ ኣዋህባ ትርጉም ገፊሕ ፍልልይ ኣለዎም፡፡

ደቂቀ ቤተ ኣማራ ሓጥያተኛታት ስለ ዝቐተሉ ኣብ መቓብሮም ብርሃን ወሪዱ ዝብል ሓቲት ሒዞም ይቕፅሉ ኣለዉ፡፡ ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ድማ ንፁሃን ስለ ዝተጨፍጨፉ ፈጣሪ ምስ ንፁሃን ወጊኑ፡፡ ኣብቲ ደሞም ዝፈሰሰሉ ድማ ኣብ እዋን ፀልማት ብርሃን ወሪዱሎም፡፡ ነዞም ኣቦታት ዝጨፍጨፈ ዘርኣያቆብ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ፈጣሪ ፎትይዎ እንተዝኾን፤ ኣብ ደም ዝፈሰሰሉ ዘይኮነስ ኣብቲ ንሱ ዝደቀሰሉ ብርሃን ምወረደ ክብሉ ይምጉቱ፡፡ ኣብ ቅዱሳን መፃሕፍቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓርቢ ስቕለት ብትእዛዝ ንጉስ ቄሳር ኣብ ቀራኒዮ ምስ ተሰቐለ፤ ንለይቱ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ ቀራነዮ ኣደባባይ ብርሃን ወረደ፡፡ ኣብቲ ንጉስ ቄሳር ዝዓረፈሉ ቦታ ግን ብርሃን ኣይተርኣየን፡፡

ስለዙይ ስነ መጎት ደቂቀ ቤተ ኣማራ ማይ ዘይቛፅር ምዃኑ ግሁድ እዩ፡፡ ልዕሊ 500 ሊቃውንቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉላ ናይቲ እዋን ደብረ ኢባ ናይ ሕዚ ደብረ ብርሃን፤ መነኮሳትን ምሁራትን ትግራይ ምስ ሂወቶም ጉድጓድ ተፋሒሩ ክቕበሩን ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ድማ ኣፍራስን መፅዓኛን ክጋልባ ተጌሩ፡፡ ደቂ ተባዕቲዮ ነቲ ንሰዓብቲ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት መጒቶም ዝሰዓሩሉ መልሓሶምን ኣፍንጨኦምን ብምቑራፅ ሰብ ክስሕቖምን ክፅየፎምን ተገበረ፡፡

ጅማውቲ ኣእዳዎም ተፈልዩ ብምልሓፅ ኣብ ኣደባባያት ተሳቐዩ፡፡ሙሉእ ህይወተን ንፈጣሪአን ብመሃብ ካብ ዓለማዊ ሂወት ተፈልየን ዝነበራ መነኮሳትን ገዳማዊያንን ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ኣጥቧተንን ኣፍንጨአንን ብምቑራፅ ኣብ ርእሲ ምጭፍጫፈን፤ ኣስካሬን እዞም ቅዱሳት ን7 መዓልታት ከይተቐበረ ኣብ ኣደባባይ ክዝርጋሕ ተጌሩ፡፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወፍሪ ጀኖሳይድ ትግራይ 2013 ዓ/ም ብጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ፣ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀቲሎም ሸውዓተ ምዓልታት ሙሉእ ወለዶም እናረኣዩ ከይቕበሩ ክሕልውዎም ዝተገበረ ተመሳሳሊ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡

ንጉስ ይኩኖኣምላክ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝፀንሐ መበል ካልኣይ ወፍሪ ኣብ መሬት ትግራይ ዝተፈፀመ ኾይኑ፤ ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣብነታዊያንን ነባራት ገዳማትን ( ደብረቢዘን፣ ቆየፃ፣ ደብረ-ኣባይ፣ ካብ እንደርታ ክሳብ ዓጋመን እንባስነይቲን) ኣብ ዝነበሩ ኣመንቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ንልዕሊ 900 ዓመታት ሃኒፀምዎ ዝፀንሑ መዋቅራዊን መለኮታዊን ኣተሓሳስባ ብምድኻም ብሽዋዊያን ንምትካእ ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣመንቲ ብኣልማሚት ተጨፍጪፎም፡፡ ምስ ምፅናት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ተጋሩ ተተሓሒዙ ንመዋእላት ወኒንዎም ዝፀንሑ ማሕበረ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ከምኡ ድማ ሃይማኖታዊን ዴፕሎማሲያዊን ፀፍሒታት ቀስ ብቐስ እናተሸርሸረ ከይዱ፡፡

ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ቀላፅም ህዝቢ ትግራይ ዝፀንሐ ብቕዓት፤ ብሓይሊታት ቤተ ኣማራ ክስኮን ተጌሩ፡፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ትግራይን ምድሪ ባሕሪን ዝነበሩ ስዓብቲ እስጢፋኖሳዊያን ኣብ ዝሓለፍዎ ክህደኑን መንነቶም ክርሳዕን ልዑል ፃዕሪ ተጌሩ፡፡ብምዃኑ ድማ ትግርኛ ተዛረብቲ ብምዃኖምን ኣብ እምነቶም ብምፅነዖምን ጥራይ ኣቦታትና ኣብ ደብረሲና ካብ ዘለዉ ነዋሕቲ እንባታት ምስ ህይወቶም ካብ ምፅዳፍ ጀሚሩ ሰብ ክገብሮምስ ተሪፉ ክሓስቦም ዘይኽእል ባርባራዊ ግፍዒታት በፂሕዎም፡፡መስዋእቲ ኣባ እስጢፋኖስን ስዓብቶምን 1478 ዓ/ም ስዒቡ ኣብ ትግራይን ምድሪ-ባሕሪን ዝነበሩ ነባራት ኣተሓሳስባታትን ስነ-መለኮትን ጠቕሊሎም ከይጠፍኡ ንምግባር ኣባ ኣብከርዙ ዝተብሃለ ውፉይ ብኣባ እስጢፋኖስ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ብሕቡእ ተጠናኺሩ ክቕፅል ጌርዎ፡፡

እቲ ኣቦ ንምሁራንን ገዳማውያንን ትግራይን ምድሪ-ባሕሪን ብላዕለዋይነት ዝመርሐ እንትኾን፣ ስነ-ልቦናውን ማሕበራዊ ፍለስፍናን ተጋሩ ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ክበፅሕ እውን ጌርዎ፡፡ ኣብቲ ዘመን ክሳብ ሎሚ እንሕበነሎም ጥዑማት ኣራንሺ ጉንዳጉንዶን ካልኦት ንወለዶታት ክመሓላለፉ ዝግበኦም ምሽጥራትን ብቋንቋ ግእዝ ክዕቀቡን ዝለዓለ ብምርምር ዝተገበረሎምን ምዃኑ ካብቶም ኣብ ገዳም ጉንዳጉንዶ ዘለዉ ሰነዳት ምርዳእ ይከኣል፡፡ ዋላ እኳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ (ኣብ መሬት ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን) ጀኖሳይድ እንተተፈፀሞ ብመራሕቱ ዝረኸቦ ስነ-ልበናዊ ልዕልነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለን፤ በቲ ናይቲ እዋን ኣተሓሳስባ ስነ ልቦናን ብመሪሕነት እዋስጣጢዎሳዊያን ዝተፈጠረ ፅኑዕ ኣተሓሳስባን ሒዙ ቀፂሉ፡፡

እቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ኲናት ኢማም ኢብራሂም ኣልጋዚ “ግራኝ” ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡ብሓፈሻ 1ይ ወፍሪ ጆኖሳይድ ትግራይ ምስ እንዕዘብ፤ ብሸዋዊያን ፈለስትን ነገስታትን ኣብ ትግራይ ዝፀንሐ ስነ-ልቦናዊ ልዕልነት ኣብ ፈተና ዝኣተወሉ ኩነታት ኮይኑ ሓሊፉ፡፡

ብምዃኑ ድማ፤- 1. ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ታርጋ ምልጣፍ ዝተጀመረሉ እዩ፡፡ “እስጤፋ” ዝብል ሽም ደቂ ትግራይን ምድረባሕርን ከም መፍለይ “11” ዝብል ትላሕ ከም ምልክት ተቐሚጡሎም ክህደኑ ተጌሩ፡፡ ምስቲ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ለጢፍዎ ዘሎ “ጁንታ” ዝብል ቃል ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ይገብር ምህላዉ የርኢ፡፡

2. ተጋሩ ሒዞምዎ ዝፀንሑ መሰረት ስነ ምጎትን ስነ ልቦናዊ ልዕልናን ኣብ ቅድሚ ነገስታት ሽዋ ተማጉቶም ከሸንፉ ብምኽኣሎም ኣብ ልዕሊ እዞም ኣሸነፍቲ ዓፀባን ውርደትን ክበፅሖም ጀሚሩ፡፡ ወለድና ዋላ እውን ኣብቲ ሕጊ ዘይፍለጠሉ ባርባራዊ ስርዓት ኮይኖም “ብሕጊ ኣምላኽ” ዝብል መማጐቲ ኣጀንዳ ሒዞም ዝተቃለስሉ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ መሰረቱ ምስ ፈጣሪኡን ምስ ሕጊን ዝተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ምዃኑ፡፡

3. ልዑል ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ተጋሩ ብሰነ ሞጐት ኣብ ሓደ መንፈስ ተሰሊፎም ፀላእቶም ዘሕፈርሉ፤ ወለድና ብኩናት ይኹን መንግስታዊ ኣሻጥር ካብ ዕላመኦም ንፃት እውን ዘይዋገዩ ምዃኖም፡፡

4. ሓድነት፣ ዲሲፕሊንን ስነ-ምግባርን ተጋሩ ከምቲ ኣብ ናይ 17 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተርኣየሉ ብዓይነት፣ ፅንዓትን ጎሊሆም ዝወፅሉ ኩነታት ዝተፈጠረሉ፡፡

5. መዓልታዊ ውዕሎን ምንቅስቓስ ቃልሲን ብምስናድ፤ ንወለዶታት ዘይተቆራረፀ ቃልሲ ንክህሉ ልዑል ፃዕሪ ዝተገበረሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡

6. ዋላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃይማኖት ኮይንካ፤ ኣብ ላዕሌኻ ክፀዓን ዝተሓሰበ ተንኮል ፀላእቲ በይናይ ስነ-መጎት ተቓሊስካ ኣብቲ ሓቀኛ ቦታኻ ደው ክትብል ከም እትኽእል ካብ 1428-1527 ን99 ዓመታት ሙሉእ ዝተኻየደ ቃልሲ ወለዶታት ትግራይ ድሙቕን ወለዶታት ትግራይ ክመሃረሉ ዝኽእሉ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየዱ ተደጋጋሚ ጀኖሳይዳት መበገሲኦም ካብ ደቂቀ ቤተ-ኣማራ እንትኾን መዕለቢኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ታሪኹን መንነቱን ሰሪዝካ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምዕቡል ታሪኽን ኣተሓሳስባን ኣምሓራዊ ምግባር እዩ፡፡ ሕልሞም ንምስኻዕ ፈላማይ ጀኖሳይድ ዝጀመርሉ ድማ ብመሪሕነት ይኩኖኣምላኽ ኮይኑ፤ ክሳብ መበል 5ይ ዘሎ ተኸታታሊ ፅሑፍ ክቕፅል እዩ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ተቋሪፁ
Next articleዘይፍትሓዊት ዓለም