Home ዜና ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ

ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ

1327

ሓዱሽ ተመራፂ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ቃለ መሓላ ዝፈፀምሉ ስነስርዓት ፅንብል ተፈፂሙ፡፡

ምስ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተመሓዝዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ንዝፈፀመ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝሰዓሩ ሓዱሽ ተመራፂ ፕረዚደንት #ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ፡ ዲፕሎማሰኛታት ፡  ፖለቲከኛታትን ፀለውቲ ሰባትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት ፅንብል ቃለ-መሓላ ከምዝፈፀሙ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕኸናት ዜና ዓለም ፀብፂበን ኣለዋ፡፡

ሓው ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ንመበል ካልኣይ ጊዜ ፕረዚደንት ሶማልያ ኮይኖም ቃለ-መሓላ ናብ ዝፈፀምሉ ስነ-ስርዓት ፅንብል ምብፅሖም ኣዝዮም ሕቡን ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ድማ ህዝቢ ሶማልያ ናብ ዝሓሸ መፃኢ ንክመርሕዎ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊኦም እምነት ስለ ዘሕደረ ልዑል ምስጋንኦም ኣቕሪቦም፡፡

ብተዛማዲ ኣብዚ ታሪኻዊ ፅንብል ንዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ከምኡ እውን ንተወከልቶም ኣመስጊኖም፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኖም ቃለ-መሓላ ንዝፈፀሙ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ ኣብ መዳይ ጥዕና ንኩሉ ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ቀፃሊ ብሓንሳብ ከምዝሰርሑ ተተስፍዮም፡፡

ፕረዚደንት #ትግራይ ዶክተር #ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብግድኦም ብሓዱሽ ተመራፂ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ መልእኽቲ ምልኣኾም ይዝከር፡፡

ብፀጋይ መኮነን