Home ዜና ቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

1180

መናእሰይ ትግራይ ካብ ኣያታቶም ጅግንነት ወሪሶም መንነቶምን መሰል ዓርሰ ውሳነኦምን ንምርግጋፅ ዘካይድዎ ዘለው ወሳናይ ቃለሲ መርኣያና እዩ ክብሉ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከቡ ስደተኛታት መናእሰይ ኤርትራ ገሊፆም፡፡

ስርዓት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብባህሪኡ ፀረ ሰላምን ልምዓትን ብምዃኑ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ማሕበረ ቑጠባውን ፖለቲካውን ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ዘእተወ ከምዝኾነ ድማ እቶም ስደተኛታት መናእሰይ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ነዚ ኣንፃር ህላወ ህዝቢ ኤርትራን ምኽንያት ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪካን ዝኾነ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ እዋኑ ሐዚ ብምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንሕና መናእሰይ ሓድነትና ኣስጢምና ክንቃለስ ይግባእ ክብሉ እውን እቶም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከቡ ስደተኛታት መናእሰይ ኤርትራ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብሚኪያስ ታፈረ