Home ዜና ቅትለት ተወለድቲ ኦሮሞ

ቅትለት ተወለድቲ ኦሮሞ

1090

ኣብ ደቡብ ክልል ፍሉይ ወረዳ ቡርጂ ከተማ ሶያማ ዕጡቓት ጉጅለ ፋሽስትን ተለኣኣኽቱን ዕዳጋ ክገብሩ ንዝወፁ 14 ንፁሃን ወገናት ተወለድቲ ቡርጂ ኦሮሞ ብጅምላ ተቀቲሎም፡፡

ከባቢ 30 ዝኾኑ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣትን መቁሰልትን ከምዝበፅሖም ኦኤምኤን ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ መረዳእታ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ሰላማውያን ሰባት 27 ግንቦት 2014 ዓ/ም ንዕዳጋ ወፂኦም ብሰላም ዕዳግኦም ኣብ ዝፍፅሙሉ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት እዩ መጥቃዕቲ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈፀመ፡፡

ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲታት ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ ተቃውሞ ሰልፊ እናገበሩ ምኳኖም ካብ ኦኤምኤን ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር፡፡ ካብዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲታት ድማ  ከም መርኣያ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ቡሌ ሆራ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ብ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ዝፍፀሙ ዘለዉ ጥቅዓታት ደው ክብሉን ህይወት ተወለድቲ ኦሮሞ ክብሪ ይሃልዎ መሰል ምንባር ህዝቢ ኦሮሞ ይከበር ዝብሉን ካልኦት ንጉጅለ ፋሽስት ዝቃወም ጭርሖታት እናስምዑ ሰልፊ ምግባሮም ኦኤምኤን ፀብፂቡ፡፡