Home ዜና በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ንምሕጋዝ ብዝኣተዎ ቃል...

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ንምሕጋዝ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ሎሚ ኣረኪቡ።

769

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ኢንቨስትመንት ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ዝዉዕል 3 ሚልዮን ብር ከምዝሕግዝ ቃል ምእታዉ ይዝከር።

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ በዝኣተዎ ቃል መሰረት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከባ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ን12 ሽሕን 300 ተምሃሮ ዝዉዕል 2 ነጥቢ 2 ዝዋግኡ ናውቲ ትምህርቲ ብሓገዝ ኣረኪቡ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብሰንኪ እቲ ኩናት ትካላት ትምህርትና ዓንየን ማሕበረ-ቁጠባ ሕ/ሰብና ዝያዳ ተሃስዩ ኣብ ዘለሉ እዋን በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዝገብርዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ንኢዶም።

ከም መንግስቲ ትግራይ ብኲናት ዝዓነወ ትካላት ትምህርቲ ዳግም ንምህናፅን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበኾሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ይሰርሕ ብምህላዉ ነዚ ከበድቲ ብድሆታት ተፃዊርካ ናብ ንቡር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምእታዉ ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ካልኦት ሰብሃፍትን ግዱሳት ተጋሩን ኣጃሞም ከበርክት ፀዊዖም። ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ ዓዲግራት ዲበኩሉ ኣለም ብርሃነ እቲ ብበዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ዝተገበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ናብ መዓልኡ ከም ዝወዓለ ሓቢሮም።

እቲ ዝተዉሃበ ገንዘብ ድማ እቲ 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ 70 ሽሕ ደፍተርን 12 ሽሕን 500 ብዕር ሓዊሱ ንመዐደጊ ካልኦት መሳለጥቲ ትምህርቲ ዝወዓለ እንትኾን እቲ ዝተረፈ 800 ሽሕ ብር ድማ ብኽብሪ ንዝተሰናበቱ ተጋደልቲ ፣ንደቂ ስዉኣትን ጥሮታኛታት ብጥረ ገንዘብ ከም ዝተዉሃበ ዲበኩሉ ኣለም ኣብሪሆም።ወኪል ኣይተ ዘርኡ ዝኾነ ኣይተ ተዓረ መዝገቦ ድማ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሓገዛት ኣጠናኸሩ ክቕፅለሉ ምዃኑ ሓቢሮም። ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሞን ሓጎስ ጀኖሳይዳዉያን ወረርቲ ሓይልታት ብዝፈፀምዎ ጉሕለትን ዕንወትን ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ዕንወት ከም ዝበፀሐ ብምሕባር ካልኦት ሰብ ሃፍቲ እዉን ኣሰር ኣይተ ዘርኡ ተኸቲሎም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ክሕግዙ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም። #ሚኪያስ ታፈረ