Home ዜና ብሽርሒ ዘይብዳህ ቃልሲ

ብሽርሒ ዘይብዳህ ቃልሲ

938

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝፈረዩን ንስለ እዛ ሃገር ኢሎም ዕድመ ልክዖም ዝተቃለሱ ትግራዎት ኣብ ክንዲ ክብርን ምስጋናን ኮነ ተባሂሉ ብጉጅለ ፋሽሽት ኣቢይን መላፍንቱን ክቕተሉ ክግበር ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ዓድግራት መቕተልቲ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ ወዲ ነጮ መቐፀልታ ናይዚን ህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ ካብ ዘለዎም ባህጊ ዝብገስን ምዃኑ ገሊፆም።

ብጉጅለ ኣቢይን መላፍንቱን ዝተፈፀመ መቕተልቲ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ ወዲ ነጮ ቅድሚኡ ዝተፈፀሙ መቕተልትን ኮን ዶ ኾን ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ቆሪፁ ኢዱ ሂቡ ይንብርከኽ ካብ ዝብል ድልየቶም ዝነቅል እዩ ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ዓድግራት ይኹን እምበር በቲ ተግባር ፀላእቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መመሊሱ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝገብር እዩ ኢሎም።

እቲ ኣጥፋእናካ እንትብልዎ መመሊሱ ዝትርንዕ ህዝቢ ትግራይ ብሽርሒ ፀላእቲ ርእሱ ኣድኒኑ ዝነብር ህዝቢ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ነበርቲ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ሓድነቱ ሰሚሩ ቃልሱ ከም ዘሐይል ኣረጋጊፆም።ጉጅለ ፋሽሽት ኣቢይን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ካብ ዝፍፅሞ ዘሎ መቕተልቲ ብተወሳኺ ሐዚ እዉን ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ትግራዎት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም የሳቐዩ ምህላዎም ብማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ በቢግዚኡ ዘረጋገፅኦ ሓቂ እዩ።

ክብሮም ተስፋይ