Home ማሕበራዊ ብፋኖ ብጉጅለ ዝተደፈረት ተመዛበልቲ ንእስቲ

ብፋኖ ብጉጅለ ዝተደፈረት ተመዛበልቲ ንእስቲ

805

ካብ ጎንደር ዘፈናቀሉና ከይኣኽሎምስ ኣብ ዓድና ደፊሮም ካብ መረበትናውን ኣመዛቢሎሙና-ብፋኖ ዝተበሃለ ጉጅለ ብዕስለ ዝተደፈረት ንእስቲገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ኣብፂሖም እዮም ክትብል ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ፋኖ ብዝተብሃለ ገባቲ ሓይሊ ብጉጅለ ዝተደፈረት ተመዛባሊት ገሊፃ፡፡እዛ ንእስቲ ተወላዲት ከተማ ሰቲት ሑመራ እያ፡፡

ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዘነበረትሉ እዋን ንብረትን ሃፍትን ኣጥሪያ እያ፡፡ ተወላዲት ትግራይ ብምዃና ጥራሕ ድማ ኣብ ከተማ ጎንደር ብዙሕ በደል በፂሕዋ እዩ፡፡ ኣብ 2012 ዓ/ም ህይወታ ክተድሕን ንብረታ ራሕሪሓ ብሱዳን ጌራ ናብ ዓዳ ኣትያ፡፡ኣብ 2013 ዓ/ም ድሕሪ ዝተወለዐ ኲናት ድማ እግሪ እግራ ስዒቦም ፋኖ ብዘተብሃለ ገባቲ ሓይሊ ኣብ ገዝኣ እናሃለወት ከም እንስሳ ብዕስለ ደፊሮማ ፡፡ መሓሩኒ…. ሕደጉኒ…. እንተበለት እውን ክሰምዕዋ ኣይከኣሉን፤ እዛ ንእስቲ ቃንዝኣ ከይኣክላ ኣብ ርእሲ ፀገማ ብመከራ ንሽረ ተመዛቢላ ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ ትነብር ኣላ፡፡እዛ ንእስቲ ሐዚ ካብ ዝበፅሓ ግፍዕን ማህሰይትን ንምሕካም ናብ ሰብ ሞያ ጥዕና ቀሪባ ክትትል እናገበረት እያ፡፡

ካልኦት ከምኣ ዝበላ ጥቕዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናብ ትካላት ጥዕና ብምኻድ ቃንዘአን ክፍውሳ ፀዊዓ ኣላ፡፡ጅግንነት ሰራዊት ትግራይ መግለፂ የብሉን ዝበለት እዛ ንእስቲ ዜና ዓወት እንትትሰምዕ ካብ ቃንዘኣ ከምትፍወስ ሓቢራ፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ትግራይ ብምስላፍ ካብኣ ዘድለ ኩሉ ንምውፋይ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፃ፡፡

ብጎይተኦም ተኸስተ