Home ዜና ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጉዳይ ትግራይ

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጉዳይ ትግራይ

751

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጉዳይ ትግራይ

—-

ኢትዮጵያ ሓላፍነት ኮሚቴ መርማሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክቋረፅን፤ ገበን ተሓታትነት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ክምራሕን ዘቕረበቶ ሕቶ መደንገፂ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ሓበራዊ ቅዋም 63 ዓለም ለኻዊያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ሲቪክ ማሕበራትን፤ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ፍሉይ ኣቓልቦ ክህበሉ ፀዊዑ፡፡

ንኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ሓዊሱ 63 ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝፈረምሉ ሓበራዊ ሰነድ ብምድላው ኣብ ጀኔቫ ይካየድ ናብ ዘሎ መበል 52 ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረባ እዘን ትካላት፤ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሰሙናት ፃንሒት እቲ ዋዕላ ጉዳይ ትግራይ ብፍሉይ ክሪኦ ኣተሓሳሲበን፡፡

ብሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ምርመራ ዝጀመረ መርማሪ ኮሚቴ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም ድሕሪ ዘውፀኦ ፈላማይ ፀብፃብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ፍልልይ ምፍጣሩ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ልኡኽ እዚ ኮሚቴ ክቋረፅ ልዑል ምንቅስቓስ እትገብር ዘላ ኢትዮጵያ፤ ነቲ መርማሪ ኮሚቴ ዘለዋ ተቓውሞ ንጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕላዊ ምግባራ ዝዝከር ኮይኑ፤ ብደረጃ ዓለም ልዑል ምንቅስቓስ ትገብር ምህላዋ ዝጠቐሰ ሮይተርስ ብግዲኡ፤ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝደገፉ ኣካላት ምስ ምዕራባዊያን ናብ ዝለዓለ ተፃብኦ ከምርሑ ከም ዝኽእሉ 5 ላዕለዎት ዴፕሎማሰኛታት ምግላፆም ፀብፂቡ እዩ፡፡

ብኢትዮጵያ ቀሪቡ ዘሎ  ጠለብ ምቋራፅ ምርመራ ዘይግቡእን ዘሻቕልን ምዃኑ ዝጠቐሳ 63 ዓለም ለኻዊያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ሰቪክ ማሕበራትን ብግድአን፤ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዙይ ዓይነት ካብ ተሓታትነት ዘርሕቕ ጠለብ ከይቕበልን ከየተኣናግድን ኣተሓሳሲበን፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ምንግልታዕ ሰላማውያን ሰባትን ቀፂልሉ ኣሎ፡፡ እዚ ተግባር ከም ኣካልን ከም ጉጅለን የተሓሳስበና እዩ ዝበላ እዘን ትካላት፤ ሕዚ እውን ሚዲያታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ትግራይ ከይኸዱ ኣብ ርእሲ ምእጋዱ ኣብ ስርዓት ዳይነት ዘካይዶ ኢድ ኣእታውነትን ምንግልታዕን ይቕፅለሉ ምህላዉ እውን ኣብ መግለፂአን ዕላዊ ጌረን፡፡

ውዕሊ ፕሪቶርያ ውሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ክሓልፍን ብቐጥታዊ ኲናት ዝመውት ህዝቢ ኣብ ምድሓን ኣወንታዊ ውፅኢት እኳ እንተሃለዎ፤ እኹል ኣይኮነን ዝበለ ሰነድ እዘን ትካላት፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተፈፀሙ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ተፃርዮም ገበነኛታት ናይ ኢዶም ክረኽቡ ይግባእ ክብላ ፀዊዐን፡፡

ግዳይ ኲናት ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ፤ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝጣየሽ ዝኾነ ዓይነት መፃረይ ኣካል እምነት ኣየሕድርሉን፡፡ እዙይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ እታ ሃገር እውን እዩ ዝበለ ሰነድ ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪክ ማሕበራትን፤ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፃውዒት ኢትዮጵያ እንተተቐቢሉ፤ ብደረጃ ዓለም ተሓታትነትን ምንጋስ ርትዒን ንኽረጋገፅ ብተስፋ ንዝፅበዩ ኣካላት ርእሲ ዘድንን ምዃኑ  ኣጠንቂቑ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ