Home ዜና ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጉጅለ  ኮምሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጉጅለ  ኮምሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

1104

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ኩለንተናዊ ግህሰት መሰላት ዘፃሪ ጉጅለ ዓለምለኸ ኮምሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ምስ ሰበስልጣናት ፋሽሽቲ ኣብይ ከምዝዘራረብ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጡ ፡፡

እዚ ብኣደ መንበር ኬንያዊት ኬሪ ቤቲ ስሪላንካዊት ራዲሂካ ኮማርስ ዋሚን ኣሜሪካዊ ስቴቨን ራትንር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መርማሪ ኮምሽን ሓምለ 25/2022 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ብምግባር ሰበ ስልጣናት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስቲ ኮምሽን ብከመይ ኣግባብነት ተዛሚዶም ብዛዕባ ዝሰርሕሉ ዕላማ ዘድሃበ ዘተ ክገብር ምዃኑ ካብ ምንጭታተይ ረኺበዮ ብዝበሎ መሰረት እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔብ ዝመደበሩ ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ታሕሳስ 17/2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝተጣየሸ እዚ ኮምሽን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ኩለ-መዳይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ግህሰታት ንክምርምር ምሉእ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ብኣብዛሓ ማሕበረሰብ ዓለም ድምፂ ረኺቡ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ኮምሽን ኪኢላታ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተቋዎሞን ፋይናንሳዊ ደገፍ ንከይረክብ እውን ድምፂ ተቋውሞ ምስምዑን ዝፍለጥ ኮይኑ ሕዚ ኣጋጢምዎ ብዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ውድቀት ግና ኢዱ ክህብ ይግደድ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ዞባ አፈሪካ ዘስመርሉ ጉዳይ እዩ፡፡

ብፀጋይ መኮነን