Home ዜና ቁጠባዊ መዋጥር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ

ቁጠባዊ መዋጥር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ

805
0

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንኽወፅእ፤ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል፤ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ብሙሉእ ክኽፈቱን ኢድ ኣእታውነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከብቅዕን ቅድመ ኩነት ተነቢሩ፡፡

መበገሲ ቁጠባዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ፤ በጀት እታ ሃገር ኣብ ወታደራዊ መዓላ ብምውዓሉን፤ ዘይምዕሩይ ምንቅስቓስ ገንዘብን ምዃኑ ኣለቃሕቲ ኣካላት ገሊፀን፡፡ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ምሕፅንታ ምስትኽኻል ዕዳ ክጠልብ ዝፀንሐ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ጃካርታ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ጉጅለ 20 ምርር ዝበለ መልሲ ከም ዝረኸበ ሰነድ ትካል ገንዘብ ዓለም ኣማላኺቱ፡፡

ተወካሊ-ሓላፊ ፓሪስ ክለብ ሚስተር ዊልያም ሩት ቅድሚ ኣኼባ ጉጅለ 20 ንተወካሊ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኢዮብ ተካልኝ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ቻይናን ፈረንሳይን ዝመርሐኦ ኣካላት ኣለቃሕቲ፤ ዕዳ ኢትዮጵያ ክቃለል ድሌት እኳ እንተሃለወን፤ ምብቃዕ ኲናትን ምኽፋት ኣብ ትግራይን ዝተዓፀዉ ኣገልግሎታት ቅድሚያ ክወሃቦም ይግባእ ኢሎም፡፡ 

ኣለቃሕቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቖለለ ዕዳ ዝመዓራረየሉ ኩነታት ንምንዳይ ምስ ትካል ገንዘብ ዓለም ብመሪሕነት ፈረንሳይን ቻይናን 3 ግዘ ኣኼባ ከም ዝተሳለጠ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ ፓሪስ ክለብ፤ መኣዝን ብኸመይን ከም ዝፍታሕ ንምፍላጥ ግን ተነቢሮም ዘለዉ ቅድመ ኩነት ዝውስንዎም ምዃኖም ገሊፆም፡፡

ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተቖሊሉ ዘሎ ዕዳ ክፍታሕ ከም ዝግባእን፤ እዙይ እንተዘይኮይኑ እታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ክትወድቕ ከም እትኽእልን ዘማላኽት ሰነድ ዘዳለወ ኮይኑ፤ ምስትኽኻል ማክሮ ኢኮኖሚ፣ መዓላ መስተኻኸሊ በጀት፣ ድሌት ኣለቃሕቲን ምስ ትካል ገንዘብ ዓለም ምርድዳእን ዝብሉ 4 ደረጃታት ኣንቢሩ ኣሎ፡፡

ዕቋር ሸርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያ መሬት ዘቢጡ ምህላዉን እዙይ ክሳብ ዘይተመዓራረየ ከም ሃገር ደው ኢልካ ንምኻድ ከፀግመላ ከም ዝኽእልን ዘማላኸተ ሰነድ ትካል ገንዘብ ዓለም፤ ኣብታ ሃገር ከቢድ ዕዳ፣ ዘይምዕሩይ ዕዳጋን ናህሪ ዋጋን ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ የማላኽት፡፡ 

Previous articleናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጉጅለ  ኮምሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት
Next articleፆሙ ዝሓድር መሬት ኣይህሉን