Home ዜና ንመርትዖታት ገበናት ኲናት ዝጠቕሙ ምስልታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጠፍኡ ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ንመርትዖታት ገበናት ኲናት ዝጠቕሙ ምስልታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጠፍኡ ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።

528

ንመርትዖታት ገበናት ኲናት ዝጠቕሙ ምስልታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጠፍኡ ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ክረኣዩ የብሎምን ዝብልዎም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ንምፍላይ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰብሰራሕ ብልሒ – ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከምዝጥቀሙ ዝፀብፀበ ቢቢሲ ንኽሲ ክሕግዙ ዝኽእሉ ተንቀሳቐስቲ ስእልታት ድማ ኣብ ማህደሮም ከየቐመጡ ከውርድዎም ክኢሎም’ዮም ይብል።ሜታን ዩትዩብን ንምስክርነት ዝኾኑ ናይ ምሓዝን ተጠቀምቲ ካብ ጐዳኢ ትሕዝቶ ንምክልኻልን ሚዛን ናይ ምትሓዝ ሓላፍነት ከምዘለዎም እኳ እንተገለፁ ንቢቢሲ ሪኢትኦም ዝሃቡ ተቘፃፃሪ ቦርድ ሜታ ኣላን ራስብሪጀር ግን እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ምቁፅፃር ትሕዝቶታት “ልዕሊ ዓቐን ጥንቃቐ” ከም ዝገበረ ይዛረቡ።እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንዘሰክፉ ትሕዝቶታት ምውጋድ ነፃነት ከም ዘለዎም’ኳ እንተገለፁ ቢቢሲ ግን ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝስነዶ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክፅዕን ምስ ፈተነ ብቕልጡፍ ተደምሲሱን እዩ ይብል።ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ጐዳኢን ዘይሕጋውን ትሕዝቶ ብመጠኑ ከውፅእ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ካብ ኲናታት ዝመፁ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ዝመምየሉ እዋን ግን እቲ ማሽን መረዳእታ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኖም ናይ ምርዳእ ዓቕሚ የብሉን ድማ ኢሊ ቢቢሲ ኣብ ፀብፃቡ።

ጕጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት እዞም ሓበሬታ ንኸይጠፍኡ ክከላኸሉ ኣለዎም ይብሉ ዝበለ እቲ ፀብፃብ ራስብሪጀር ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ “እቶም ማሽናት ስለምንታይ ከም ዘማዕበልዎምን ከም ዘሰልጠኑዎምን ኣብዚ ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም፤ ኣፀጋሚ ወይ ስንባደ ዝፈጥር ነገር ኣብ ዝረኣዩሉ እዋን ንኸውርድዎ እዩ” ኢሎም።እቲ ኣብ ሜታ ዘሎ ‘ኦቨርሳይት ቦርድ’ ብማርክ ዙከርበርግ ዝተመስረተ ምኻኑ ዝጠቐሰ ቢቢሲ ኣብቲ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝውንን ኩባንያ ሓደ ዓይነት ናፃ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ” ተባሂሉ ይፍለጥ ኢሉ።”እቲ ዝቕፅል ሕቶ እቶም ማሽነሪታት (ሰብ ይዅን ኤኣይ) ዝያዳ ርትዓዊ ውሳነታት ንኽወስዱ ከመይ ጌርና ነማዕብሎ ዝብል ይመስለ” ክብሉ ነበር ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጋርድያን ራስብሪጀር ተዛሪቦም።ነፍሲ ወከፍ ምስሊ ኣብ ዓውደ ውግእ ብሓቂ እንታይ ከም ዘጋጠመ፣ ቦታ ፣ ዕለትን ወይ ገበነኛ ንምግላፅ ኣገዳሲ ኣሰር ክሕዝ ይኽእል ዝበለ ቢቢሲ ገበናት ኲናት ከም ዝተፈፀመ ምርግጋፅ ንምእማኑ ዘፀግም ከቢድ ጉዳይ ብምኻኑ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ምንጭታት ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።ክኢላ ቢቢሲ ቬሪፋይ ኦልጋ ሮቢንሰን ድማ “ምርግጋፅ ልክዕ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ምፍታሕ’ዩ ዘይተዛመዱ ዝመስሉ ሓበሬታታት ኣዋዲድካ ነቲ ዘጋጠመ ዝዓበየ ስእሊ ትሃንፅ” ትብል።ኣብ ኣሜሪካ ትነብር ትግራወይቲ ራህዋ ኣብታ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኲናት ዝተዋሕጠትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንዋሕዚ ሓበሬታ ብፅኑዕ ዝተቖፃፀሩላን ክልል ትግራይ ዝነብሩ ስድራ ከምዘለዋን ንሳ ብናይ ብዓርሰ ተበግሶ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘርእዩ ሓበሬታታት ትስንድ ምንባራ ይገልፅ።ማሕበራዊ መራኸቢታት ማለት ካብ ዓለም ተሓቢኡ ክተርፍ ዝኽእል ኲናት ዘርኢ ስእላዊ መዝገብ እኳ እንተኾነ ዝኾነ ትሕዝቶ ክትረከብ እንከለኻ እሞ ኵሎም ኣብ ኢድካ ክትረኽቦም እትኽእል መሳርሒታት ተጠቒምካ ከተረጋግፆም ክትፍትን እንተለኻ ድሃይ ስድራቤት ግን ፈፂምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ትብል ራህዋ።ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተደምሰሰ ትሕዝቶ ንምእካብን ብውሑስ መንገዲ ንምስናድን ህፁፅ ዕላዊ ስርዓት ከም ዘድሊ ይዛረቡ ዝበለ እቲ ፀብፃብ እዚ ድማ ነቲ ትሕዝቶ ከም ዘይተበላሸወ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ‘ሜታዳታ’ ምዕቃብ ከምዘጠቓልል ይገልፁ ኢሉ።