Home መስርዕን መሳርዕን ኢዶም ዝሃቡ ሰራዊት ኤርትራ

ኢዶም ዝሃቡ ሰራዊት ኤርትራ

1637

ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣስገዳድ ተዓስኪሩ ዘሎ ዝበዝሕ ሰራዊት ኤርትራ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ካብታ ሃገር ክወፅእ እዩ ድሌቱ ክብል ንሰራዊት ትግራይ ብሰላም ኢዱ ዝሃበ ኤርትራዊ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ገሊፁ፡፡

ኣብ እንግዳዕ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ተሓንጊሩ ኣብ መላእ ትግራይ ገበን ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠሞ ከቢድ ወተሃደራዊ ስዕረት ጭርኡ ደጕሉ ካብ ኣብዝሓ መሬት ትግራይ ሃዲሙ ወፂኡ እዩ፡፡ እንሆ ሎሚ ድማ “ወያነ ይመፃኩም ኣሎ ኣብ መሬትና እንተኣትዩ ከርግፈኩም እዩ” እናበለ ትሕቲ ዕድመን ሽማግለን እንከይበለ ብኣልማሚት ዜጋታት ይገፍፍ ኣሎ፡፡

ኣብ ዞባ ማእኸል ንኡስ ዞባ በሪኽ ወኪድባ እተወልደ ዓወት ተስፋጋብር ድማ ካብቶም ብኣስገዳድ ኣብ ዓንኬል መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝተዳጎኑ ኤርትራውያን ግዳያት ሓደ እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዝበሃሉ ከምዘየለው ብምግላፅ ድማ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ናብ ሰራዊት ትግራይ ኢዱ ክህብ ኪኢሉ እዩ፡፡

መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ኣትዩ ይሃልቕ ምህላው ህዝቢ ኤርትራ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ ዝበለ ኣባል ክፍለ ሰራዊት 36 ዝነበረ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ዕቁባ መንግስቲ ትግራይ ዝርከብ ኤርትራዊ ዓወት ተስፋጋብር መዋእል ኣብ ጎንፅን ገድልን ምንባር ከምዘይድግፎ የረድእ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ መጋበርያ ውልቀ መለኽቲ ኮይኑ ንከንቱ ካብ ዝመውት ኢዱ ክህብን ኣንፃር ረጋፂኡን ዓማፂኡን ተሰሊፉ ክቃለስን እቲ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ መንእሰይ ፀዊዑ፡፡

ብፀጋይ መኮነን