Home ዜና ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ንዕላዊ ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዮም።

ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ንዕላዊ ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዮም።

524

ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ንዕላዊ ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዮም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትኣትዉ ብኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ።
ኣምባሳደር ዳረን ዌልች ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ መዕቖብታት ተመዛበልቲ ዝርከቡ ወገናት ዘለዉዎ ኩነታት ተዘዋዊሮም ከምዝዕዘቡ ተገሊፁ።


እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ዙርያ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝበፅሐ ኩለመዳያዊ ዕንወትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ምስ ፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝዝትዩ እዉን ተመልኪቱ ኣሎ።