Home ዜና ኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈሎም ኣበል ጥሮታ ክኽፈሎም...

ኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈሎም ኣበል ጥሮታ ክኽፈሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም።

566

ኣባላት እታ ማሕበር ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ በደል ኣብ ልዕሌና እውን በፂሑ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ግን ዝግበኣና ኣበል ክኽፈለና እናተገበኦ ዛጊድ ክኽፈለና ኣይከኣለን ኢሎም።ስለዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል መሰሎም ኣኽቢሩ ኣበል ጥሮታ ክኸፍሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ እዮም ኣሳሊጦም ዘለዉ።

ሓላፊ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕሰና ሰራሕተኛታት መንግስቲ ርጅን ሰሜን ኣይተ ክንፈ ኣዳነ እቶም ጡረተኛታት ዘቕረብዎ ሕቶ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምብፃሕ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ኣለዉ።እቶም ጥሮተኛታት ዘለውዎም ሕቶታት ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምቕራብ ናብ ቤትፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣምሪሖም ።