Home ዜና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቦታታት ከቢድ...

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቦታታት ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊፁ።

547

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ 18 ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብተን ማእኸላት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።ካብዞም ተመዛበልቲ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ክልተ ሰለስተ ግዜ ተመዛቢሎም ዘስካሕክሕ ናብራ ይነብሩ ኣለዉ።

እቶም ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብጥሜትን ሕማምን ኣብ ከቢድ ፀገማት ወዲቖም ዝርከቡ ወገናት፡ ሕጂ ድማ ወቕቲ ክረምቲ ብምዃኑ ብሰንኪ ኣብታ ኸተማ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ መዕቆቢኦም ይፈርስ ብምህላዉ ንኻልእ ጸገም ተቓሊዖም ኣለዉ።

እቶም ተመዛቢሎም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ሕሱም ናብራ እናሕለፉ እንትኾኑ ተመዛበልቲ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዛጊድ ናብ መረበቶም ብዘይምምላሶም ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገማት እናተደራረበ ይኸይድ ከም ዘሎ ድምፂ ወያነ ፀብፂቡ።

ብመሰረት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ስምምዕ ሰላም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ወራርን ኲናትን ስዒቡ ኣብ ትግራይን ሱዳንን ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ማእኸላት ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝግባእ እኳ እንተነበረ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፅኡ ብዘይምኽኣሎም ስቓይ ተመዛበልቲ ወገናትና ሐዚ እዉን ቀፂሉ ከም ዘሎ ተመዛበልቲ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።