Home ዜና ኣዴታት ኣብ ልምዓት መስኖ

ኣዴታት ኣብ ልምዓት መስኖ

639

ኣዴታት ኣብ ልምዓት መስኖ ወ/ሮ ኪሮስ ጊደይን ኣፀደ በዛብህን ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝትዋፈራ ኣዴታት ኮይነን ተወዲበን ኣብ ዝትወሃበተን መሬት ባህላዊ ድኹዒ ተጠቂመን ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍራምረን እንዳተኸላ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግራውተን ምሸላባሕሪ ብምዝራእ ዓርሰን ንምኽኣል ይሰርሓ ኣለዋ ፡፡

ተስፋ ከይቆረፅና ደኺሙና ሰልችዩና ከይብልና ኣብዚ ዕድመና ሙሉእ ግዜና ብስራሕ ነሕልፎ ብምህላውና ሕጉሳት ኢና ክብላ እዝን ኣዴታት ካልኦት መናኣሰይ ኣብዘይተደለዩ ቦታት ካብ ምውዓል ተወዲቦም ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብምንጣፍ ክሰርሑ ይግባእ ኢለን፡፡

ንቐፃሊ ካብ ልምዓት መስኖን ሕርሻን ዝሓሸ እቶትን ንክረኽባ ድማ መንግስቲ እታወታት ከቕርበለን ሓቲተን፡፡

#ብሰለማዊት ገብረኣምላኽ