Home ዜና እዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ

እዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ

1418

ዝኸበርኩም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን

ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ዴሞክራሲያውን መሰላቱን ይከበረለይ ስለዝበለ ጥራሕ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ወፍሪ ምጥፋእ ዘርኢ ኣዊጆም ኣብ ታሪኽ ዘበናዊ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕን በደል ክበፅሖ ገይሮም እዮም። ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብዚ ወፍሪ ምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ብፅምዲ ወፊሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከዓ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን ኣብፂሑን እዩ። እዞም ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብደቂ ሰባት ክፍፀምስ ይትረፍ ክሕሰብ እውን ዘይኽእልን ዘይግባእን ልዕሊ ፆታዊ ዓመፅ ዝኾነ ግፍዕን በደልን ፈፂሞም እዮም። መናእሰይ ትግራይ ብጥይት ክረግፉን ካብዚ ብዕድል ዘምለጡ ድማ ፋሕፋሕ ኢሎም ክብተኑን ተሊሙ ሰሪሑ እዩ። ብድማር ህዝቢ ከም ህዝቢ ካብ ገፅ መሬት ንክጠፍእ ስርዓታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዝክኣሎም ኩሉ ገይሮም እዮ፡ ሎሚ እውን ካብ ሕሉፍ ጥፋኣቶም ኣብ ክንዲ ዝምሃሩ ክሳብ ሕዚ ዝፈፀሙዎ ክሕደትን በደልን ውሒዱዎም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ተወሳኺ ጥፍኣት ንምብፃሕ ምድላዋት ገይሮም ናብ ተግባር ሰጊሮም ኣለዉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ፋሽስታዊ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ነቲ ቅድሚ ሕዚ ጀሚሮም ዘይወድኡዎ ምፅናት ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ንምቕፃል ብሙሉእ ዓቕሞም እናሰርሑ እዮም። ናይዚ ኣካል ድማ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ካብ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ ሰፊሕ ወራር እናካየደ እንትኾን እቲ ተሃንዲዱ ዝኣተወ ሓይሊ ፀላኢ ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ብዝግባእ እናተመከተን ከከም ኣመፃፅኣኡ ድማ ዋግኡ ክረክብ እናተገበረን ይርከብ። በዚ ግንባር ዝኣተወ ወራሪ ሓይሊ ዝሓሰቦ ክሰምረሉ ስለዘይክኣለ ግን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ነቁጡ ዝነበረ ካልእ ሓይሊ ኢትዮጵያ ናብ ወገን ኤርትራ ኣስጊሩዎ ኣሎ። እዚ ድማ ምስ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኮይኑ ብኣንፈት ኤርትራ ካልእ ናይ ወራር ግንባር ንምኽፋት ከምዝኾነ ግልፂ እዩ።

መንግስቲ ኢሳያስ ናይ ዝሓለፈ ገበንን ክሕደትን ከይኣኽሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ተወሳኺ ጥፍኣት ንምፍፃም ዝገብሮ ዘሎ ምሽብሻብ ዘርኢ እዩ። ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ክብሃል ብኩሉ መዐቀኒ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ናብ ዘይዛሪ ቂምን በቀልን ንክኣትዉ ህዝቢ ኤርትራ ክፈቅድ ኣይግባእን። እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላይን ፅቡቕ ካብ ምምናይን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር እውን ክምዘን ዘለዎ ውራይ እዩ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝቐርበልካ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ድግስ ኣደብ ክተትሕዞን ብትረት ክትቃለሶን ይግባእ። መእንተ ረብሓኹምን ዘላቒ ህልውናኹም ኢልኩም ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ታሪኻዊ ገበን ጠጠው ክተብልዎ፡ እንተዘይክኢልኩም ድማ ፍፁም ተሓባበርቲ ክትኾኑ ኣይግባእን። ሰራዊት ኤርትራ እውን ንባዕልኻን ንመሰረታዊ ረብሓታት ህዝብኻን ክትብል ነዚ ጥፍኣት ብትሪ ክትቃወሞ ዘለካ እዩ። ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ ክብሃል ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዘይረብሐካ ኩናትን ውግእን እናኣተውካ ህይወትካን መፃኢ ዕድልካን ናብ ከቢድ ሓደጋ ክተእቱ የብልካን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ኣብ ስደት ዘለኻ ኤርትራዊ እውን ክሳብ ሐዚ እትገብሮ ዝነበርካ ምንቅስቓስ ዝያዳ ኣሐይልካ ክትቃለስን ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኩናት ብትሪ ክትቃወሞን ይግባእ። ናይ ኢሳያስ ፃምእ ቂምን በቀልን ንምርዋይ ተባሂሉ ክልቲኡ ህዝቢ ናብ ዘይዛሪ ምድማይ ንክኣቱ ፍፁም ክትቕበሎን ክትዕገሶን ኣይግባእን።

ንሕና ኣንፃር እቲ ካብ ገፅ መሬት ክጥፍኣና ምስ ኣሃዳውያን ልፍንቲ ፈጢሩ ኣብ ልዕሌና ጀኖሳይድ ዝኣወጀልና ስርዓት እምበር ኣንፃር መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ዘቕንዐ ድልየትን ዕላማን የብልናን። እዚ ድማ ናይ ሎሚ እዋናዊ መርገፅና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 40 ዓመታት ብተግባር እናረጋገፅናዮ ዝመፃእናን በዚ ምኽንያት እውን ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈልናሉን ዘይናውፅ ህዝባዊ መትከልና እዩ።

ዝኸበርኩም ህዝቢታት ኢትዮጵያ

ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝጀመሮ ወፍሪ ጀኖሳይድ ሎሚ እውን ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ። ናይ ዝሓለፈ ጥፍኣቱ ከይኣኽሎ ብግንባር ደቡብ ትግራይ ወራር ብምሕያል ካልእ ክሕደት ይፍፅም ኣሎ። ብካልእ መዳይ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ሓይሉ ናብ ኤርትራ ክሰግር ብምግባር ምስ ባዕዳዊ መንግስቲ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ትግራይ ንምውራር ምድላዋቱ ወጊኑ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወራር ፃምእን ባህግን ተስፋሕፋሓይ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ንምርዋይ ተባሂሉ ዝፍፀም ዘሎ ምዃኑ ግልፂ እዩ። ድልየት ኣሃዳውያን ንምምላእ ተባሂሉ ኣብዘይምልከተካን ኣብ ዘይረብሓካን ኩናት ክትኣቱ ኣይግባእን። ደቅኻ እውን ዕላምኡ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእን መሬት ትግራይ ምውራርን ማእኸል ኣብ ዝገበረ ኩናት ኣትዮም ክረግፉ ክትፈቅድ የብልካን።

እዚ ስርዓት ህዝቢ ንህዝቢ እናባልዐን እናዳመየን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕ ክፍቀደሉ ኣይግባእን። ባዕሉ ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ ኤርትራ ቅሉዕ ግንባር ፈጢሩ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ቀትርን ለይትን እናተረባረብ እናሃለወ ተገልቢጡ ከዓ “ታሪካውያን ፀላእትና” ዝብል መደንዘዚ ሓሳብ ብምጥቃም ህዝብ ንምድንጋር ፋሕጠጠር ይብል ኣሎ። እዚ ኮነ ትባሂሉ ሓዲሽ ኣጀንዳ ንምፍጣር ዝቐርብ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ እምበር ልዕሊ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ባዕዲ ሓይሊ ተለኣኣኺ ስርዓት ኮነ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ የለን። ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ናይ ኤርትራ ጀነራላት ኣሰሊፉ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ብሙሉእ ዓቕሙ እናሰርሐ፡ ብኣንፃሩ ከዓ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘይስሞምምን ዘይተግባሮምን ንምሃብን ንምፅላምን ሃውተተት እንትብል ምርኣይ ልሙድ ተግባር ኮይኑ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ዓፋር ኮነ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ፅልኢ ኮነ ናይ ረብሓታት ምትፍናን የብሎን። ምስ ዝኾን ህዝቢ እውን እንተኾነ ዝኾነ ዓይነት ፅልኢት ኮነ ቂም ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ መሬት ዓፋርን ኣምሓራን ናይ ውግእን ናይ ደምን መሬት ንምግባር ዓሊሙ ዘካይዶ ዘሎ ወራር ብፍላይ ህዝቢ ዓፋርን ህዝቢ ኣምሓራን ብዝግባእ ክትምክትዎን ብትሪ ክትቃለሱዎን ይግባእ። ህዝብታት ኣገውን ቅማንትን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ መትከልኩም ፀኒዕኩም ነዚ ወራሪ ሓይሊ ክትቃለሱዎ ይግባእ።

ህዝቦ ኦሮሞን ካልኦት ብሄራትን እውን እዚ ስርዓት ኣንፃር መሰል ዓርሰ ወሳነን ፀረ ሕገ መንግስትን ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ጀኖሳይድ ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ከይዱ ከይዱ ኣንፃር ኩሎም ብሄራትን ህዝብታትን ምዃኑ ተገንዝብኩም ንዘላቒ ህልውናኹም ክትብሉ ይኣኽለካ ክትብልዎ ኣለኩም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንክስበርን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኣብ ዝግበር ርብርብ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይንኹም ድጋፍኩም ንክተሐይሉ እውን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ይፅውዑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ንባዕልካን ንመሰረታዊ ረብሓታት ህዝብኻን ክትብል ነዚ ወራር ብትሪ ክትቃወሞ ዘለካ እዩ። ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ ኾይንካ ንህዝቢ ትግራይ ዘብፃሕካዮ ጨፍጫፍን ጀኖሳይድን ይኣክል ኣይድገምን ክትብል ይግባእ። ዕድመ ስልጣን ፋሽሽት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ንምንዋሕ፥ ንተስፋሕፋሕቲ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ኢልካ ኣብ ዘይረብሐካ ኩናትን ውግእን እናኣተውካ ክትሃልቅ ኣይግባእን። ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ደቅኻ ፎቕዱኡ ከንቱ ከይተርፉ፥ ዝቐደመ ሓዘን ይኣክል ኢልካ ቀልጢፍካ ደቅኻ ኣክብ።

ፀላእቲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ስርዓት ብልፅግና ኣሃዳውያንን ተስፋሕፋሕቲ እምበር ዝኾነ ህዝቢ ኣይኮነን። እዚ እምነትና ድማ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ቅድሚ ኩናትን ኣብ እዋን ኩናትን ደጋጊምና እናረጋገፅናዮ ዝመፃእና ኮይኑ ሓይሊ ፀላእትና ንምድኻም ናብ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝተንቀሳቐስናሎም እዋናት እውን ብተግባር ዘረጋግፅናዮ እምነትናን መትከልናን እዩ።

ስለዝኮነ ነቲ ካብ መሰሉ ወፃኢ ካልእ ተወሳኺ ረብሓ ዘይሓተተን ሽውሃት ሓይልታት ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራ ንምምላእ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኡ ጀኖሳይድ ዝተኣወጀሉን ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሞትን ሕየትን ኩናት ተረዲእኹም ድጋፍኩም ክተርእዩዎ፣ እዚ ፋሽስታዊ ጉጅለ ዘካይዶ ዘሎ ወራር ጠጠው ንከብልን ናብቲ ዝተሓሰሞ መስርሕ ሰላም ንክምለስን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ንክትገብሩን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ይፅውዑ።

ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

መንግስቲ ትግራይ

24 ነሓሰ 2014 ዓ.ም

መቐለ