Home ዜና ወፍሪ ልምዓት ድንሽን ሽኮር ድንሽን  “Potato Revolution” ወያነ ድንሽ

ወፍሪ ልምዓት ድንሽን ሽኮር ድንሽን  “Potato Revolution” ወያነ ድንሽ

900

ሃገራት ህዝበን ዝገጥሞ ሕፅረት ምግቢ ንምቅላል ብስፍሓት ዳንሽ ኣልሚዕኻ ምጥቃም ከም መፍትሒ ወሲደን ውፅኢታውን ህዝብን ካብ ፅንተተ ከድሕና ምክኣለን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት እናተገለፀ መፂኡ እዩ፡፡

መሬት ትግራይ ቆልኡን ደጉዑኡን ንልምዓት ድንሽን ሽኮር ድንሽን ምችው ብምዃኑ እቲ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ብውስናት ሓረስቶት ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ማእኸላት ምርምር ኣብ ምፍራይን ምብዛሕ ዘርእን ኣድሂቦም ዘሳልጥዎ ስራሕቲ ምልኣተ ህዝቢ ዘሳተፈን “ፖታቶ ሪቮልሽን” ወይ ድማ ወያነ ድንሽ ብምትእትታው ብስፍሓት ሓረስታይን ሰብ ሃፍትን ኣብ’ቲ ዓውዲ ክዋፈሩ እንተዝግበር ነቲ ገጢሙና ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ድንሽ ዓብይ መፍትሒ ክኸውን ከምዝኽእል እናተገለፀ ይርከብ፡፡

ድንሽ ኮነ ሽኮር ድንሽ ብዘለዎ ልዑል ስነ-መዓዛዊ ረብሓን መፍረያይነት ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክጥቀመሉ ዝኽእል ምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ዓፀባ ክወፅእ ወሳናይ ተራ ክፃወት ከምዝኽእል ተስፋ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ምሁራን እዩ፡፡

ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ብውስን መልክዑ ነቲ ዘሎ ፀገም ስነ-መዓዛን ሕፅረት ምግብን ንምቅላል ይሕግዝ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ስራሕቲ ተጀሚሮም ዘለው ስራሕቲ ካብቲ ብውልቀ ሓረስታይ ዝግበር ዘርኢ ናይ ምብዛሕ ስራሕቲ ብስፍሓት ብሰብ ሃፍቲ ተባዚሑ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ኣብ ጎልጎል ራያ ምብዛሕ ዘርኢ ሽኮር ድንሽ ተጀሚሩ ኣሎ፡፡

እቲ ሕዚ ዘርኢ ኣብ ምብዛሕ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ኣብኡ ከይተሓፀረ ክሳብ ብስፍሓት ምህርቲ ድንሽ ናብ ተጠቃሚ ኣብ ዝበፅሐሉ መንገዲ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ሙሁራን እቲ ዓውዲ ይሕብሩ፡፡

እቲ ሕዚ ብድንሽ ኣቢልካ ዓፀባ ንምቅልላ ተቀሚጡ ዘሎ ኣንፈት ውፂኢታዊ ንክኸውን ተሳትፎ ኩሉ ዝሓትትን እቶም ተጀሚሮም ዘለው ስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናይ ሰሙን ሃልኪ ኾይኖም ዝሓለፉ ገለ ስራሕቲ ከይኸውን መበገስን መብፅሕን ዘለዎ እኹል ክትትልን ደገፍን ዝምልከቶም ኣካላት ዓሪፍዎ ክስራሕ እንተተኻኢሉ ልምዓት ድንሽ ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት ሓደ ከም መፍትሒ ፀገም ሕፅረት ምግቢ ህዝበን ወሲደን ዝተዓወታሉ ንሕና እውን ከም መፍትሒ ወሲድና ክንጥቀመሉ ዝግባእ እዋን ፅባሕ ዘይኮነስ ሕዚ እዩ፡፡

ብሃፍታሙ ገ/ስላሴ