Home ዜና ወፍሪ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ትግራይ 3ይ ክፋል

ወፍሪ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ትግራይ 3ይ ክፋል

1359

ህዝቢ ትግራይ ን40 ዓመታት ብደገዝማቲ ውቤ ክበፅሖ ዝፀንሐ ሓሰረ መከራ ድከት ኣትዩ፡፡ ንግስነት ሃፀይ ቴዎድሮስ ስዒቡ ግና ብተነፃፃሪ ርህው ኣየር ክትንፍስ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቸቸ ክብል ዝፀንሐ ደገዝማቲ ውቤ ብካሳ ሃይሉ ተሳዒሩ ዓቀይቶቱ ካብ መሬት ትግራይ ተፀራሪጎም ብምውፀኦም ኣብ ትግራይ ተስፋሕፊሑ ዝነበረ ሽፍትነት ቀኒሱ፡፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ሰሜን ርኡይ ለውጢ ምምፅኡ ስዒቡ፣ ትግራይ ካብቲ ኣትያትሉ ዝፀንሐት ጉዕዞ ቁልቁለት ተላቒቓ ከም ብሓዱሽ ክትበራበር ጀሚራ፡፡ ዝተፈላለዩ ስያመታት ብምሃብ ን40 ዓመታት ዝተፈፀሙ ወራራትን ወፍርታትን ስዒቡ ካብ ትግራይ ጠፊኦም ዝነበሩ ኩሳታት ዳግም ክፍጠሩ ጀሚሮም፡፡ ሹም ኣፅቢደራ፣ ሹም ዓጋመ፣ ሹም ቴንቤን፣ ወዘተ ከባቢኦም ምሕላው ጀሚሮም፡፡

ንግስነት ሃፀይ ቴዎድሮስ ብደረጃ ኢትዮጵያ ብጭካነን ግፍዕን ዝዝንቶ እኳ እንተኾነ ፤ኣብ ትግራይ ይኽተሎ ዝነበረ  ምሕደራ ግና ብተነፃፃፃሪ ዳሓን ዝበሃል ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ዋላ እኳ ከምቲ ምሕደራ ራእሲ ሚካኤል ስሑል፣ ራእሲ ወለስላሰን ደገዝማቲ ሱባጋድስን ዝረኽቦ ዝነበረ ሓለፋ ኣይርከብ እንበር፤ ካብቲ ብደገዝማቲ ውቤ ዝተፈፀሞ ጀኖሳይድ ድሒኑ ተነፃፃሪ ሰላም ስለ ዝረኸበ ርእሱ ከቕንዕ ጀሚሩ፡፡ ጠፊኤን ዝነበራ መስመራት ንግዲ ክጣየሻ ጀሚረን፡፡ ብደረጃ ምሕደራ እውን እንተኾነ ታሪኽ ኣቦታቱን  ኣባሓጎታቱን ብምዝንታው መሊሱ ክጭብጥ ዘኽእሎ መንገዲ ምሓዝ ጀሚሩ፡፡

ካሳ ሙርሜ /ዮሃንስ/ ትውልዶም ካብቶም ጀጋኑ ትግራይ ራእሲታት (ሚካኤል ስሑል፣ ወልደስላሴን ደገዝማቲ ስባጋድስን) ዝምዘዝ ኮይኑ ብ1825 ዓ.ም ተወሊዱ፡፡ ካብ ስሙያት ኩሳታት (መራሕቲ) ትግራይ ዝምዘዝ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ክምነዮ ዝፀንሐ ታሪኽ ወለዱ ክምልስ ምስ ዝነበሮ ሃንቀውታ ተተሓሒዙ ንመሪሕነት ሃፀይ ዮሃንስ ቀልጢፉ እምነት ኣሕዲርሎም፡፡ ቴዎድሮስ ንካሳ ሙርጫ ባለምበራስ ዝብል ቀሚሽ ኣልቢሱ ካብ ትግራይ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ከማሓድሩ ዕድል እኳ እንተሃቦም፤ ካሳ ሙርጫ ግን ካብ ትግራይ ርሒቕካ ምኻድ ኣይተቐበሉን፡፡ ብኣውርኡ ድማ ትግራይ ትግርኚ ከመሓድሩ ዝተሾሙ ራእሲ ባይርኡ ምስ ትውልዲ ካሳ ሙርጫ እንትነፃፀር ድሕረባይትኦም ዘይምጥን ብምዃኑ ልዑል ቁጠዐ ተሰመዖም፡፡ ምስ ቴዎድሮስ ሓበራዊ ምሕደራ ከምዘይቕበሉ ድማ ብዕሊ ቅዋም ምሓዞም ዘበነ ንግስነት ዮሃንስ ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተሓተመ መፅሓፍ ተኽለፃዲቅ ሞኩርያ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ዘበነ ንግስነት ቴዎድሮስ ጀሚሩ ርኡይ ፅዕንቶ ዝነበሮም ካሳ ሙርጫ ኣብ ዘበነ ንግስነት ተክለጂዎርግስ ድማ ኣዚዮም ገኒኖም፡፡ ሃፀይ ተክለጂዎርግስ በዝሒ ሰራዊት ኣለኒ ብምባል ንቴዎድረስ ስዒቡ ስልጣን እኳ እንተጨበጠ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ግን ኣዝዩ ውሱን ኔሩ፡፡ ካሊእ ተሪፉ ካሳ ሙርጫ ፍቓደኛ ብዘይምዃኖም ጥራይ ቅብኣ ንግስነት ተክለጂወርግስ ንምንፍፃም ካብ ግብፂ ጳጳስ ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡ ብኣንፃሩ ካሳ ሙርጫ ቅድሚ ንግስነቶም ካብ ግብፂ ዘምፅእዎም ጳጳስ ኔርዎም፡፡ እዞም ጳጳስ ንተክለጅወርግስ ክህቡ ፍቓደኛ ብዘይምዃኖም ንግስነት ተክለጂወርግስ ብሊቀሞካስ ተቐቢኦም ሃፀይ ከም ዝተብሃሉ ተክለፃዲቅ ሞኩሪያ ሰኒድዎ ኣሎ፡፡ ምሕደራ ትግራይ ካብ ፅዕንቶ ተክለጂዎርግስ ዳርጋ ናፃ ኾይኑ፤ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ፀብለልታ እውን ክትፈጥር ክኢላ፡፡ ካሳ ሙርጫ ቅድሚ ንግስነቶም ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ልዕልነቶም እናጎልሀ መፅዩ፡፡

ፀጥታዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ትግራይ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኣቢሲንያ ዝሐሸን ውሑሱን ብምንባሩ መስመራት ንግዲ 19 ክፍለዘመን ንምቁፅፃርን ልዕልነት ንምምዝጋብን ግዘ ኣይወሰደሉን፡፡ መስመር ንግዲ ተንቤን፣ ዓድዋ ምፅዋዕ ኣዝዩ ውሑስ ኔሩ፡፡ ቀንዲ መለዋወጢ እቲ ስዋን ዝኾነ ጨው ካብ ኣርሆ ዝብገስ ብምዃኑ ድማ ምሕደራታት እንደርታን ክልተኣውላዕሎን ኣዝዩ ሃፍታምን ምዕሩይ ምሕደራ ንግዲን ፈጢረን፡፡ ንግስነት ሃፀይ ዮሃንስ ስዒቡ ድማ ትግራይ ማእኸል ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲን ቁጠባን ኮይና፡፡ ከተማ መቐለ፣ ሳምረን ክልተ ኣውላዕሎን ካብ ኣርሆ ዝብገስ ጨው ዝኽዘነለን፣ ዝከፋፈለለን ናብ ምዕራብን ደቡብን ኢትዮጵያ ዝግበር ንግዲ ጀበርቲ መበገሲ ኮይነን፡፡  

ብሰንኪ ስእነት ፀጥታ ኣንቆልቊሉ ዝፀንሐ ሕርሻ እውን እንተኾነ፤ ምምስራት ዘተኣማምን ምሕደራ ስዒቡ ኣፍራያይነት ወሲኹ፡፡ ሓረስታይ ትግራይ ንባዕሉን ንዕዳጋን ዝኸውን ምህርቲ ከፍሪ ጀሚሩ፡፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ጂኦ ፖለቲካዊ ቅርበትን መስመር ንግዲን ኢትዮጵያ፤ ንትግራይን መረብ ምላሽን ኣቋሪፁ ዝሓልፍ ብምንባሩ ፀላዋይ ከባቢ ምዃን ጀሚሩ፡፡ ኣብ ንግስነት 17 ዓመታት ሃፀይ ዮሃንስ ትግራይ ትግርኚ ቀንዲ ስሕበት ማእኸል ፖለቲካ፣ ቁጠባን ዲፕሎማሲን ኮይኑ፡፡ ምስ ቀረመት ኣፍሪካ ተዛሚዱ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጠረ ልዕል ፀቕጢ ወረርቲ ኣውሮፓ ተፃዊሩ ሉኣላዊነቱ ሓልዩ ዝፀንሐ ንግስነት ሃፀይ ዮሃንስ፤ ኲናት ድርቡሽን ተንኮል ሽዋዊያንን ተሓዊስዎ ንሕልፈት ሃፀይ ዮሃንስ ምኽንያት ኮይኑ፡፡

መስዋእትነት ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንሳልሳይ ግዘ ወፍሪ ጀኖሳይድ ንምፍፃም ምኽንያት ኮይኑ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ 100 ዓመት ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊን ቁጠባዊ ተነፅሎን ክበፅሖ እን በሪ ከፊቱ፡፡ ኣብ ዘመነ ውቤ ቅሂማ ዝነበረት ትግራይ እግሪ ክትተክል ተንከርከር ኣብ እትብለሉ እዋን ዝሰዓበ ሞት ዮሃንስ፤ ጥፍኣት ትግራይ ይምነዩ ንዝፀንሑ ሽዋዊያን ማናን ሹሻይን ኮይንሎም፡፡ ኣተሓሳስባ ትግራይ ኣብ ክልተ ንምምቃል ውዕል ውጫለ ብምፍራም ሓደ ኢሉ ዝጀመሮ ምንሊክ፤ ደገዝማቲ ስዩም ዝተብሃለ ዕሱብ ካብ ዞብል ናብ ትግራይ ምብልኣኽ ትግራይ ብውግእ ሕድሕድ ሓሳረ መከራ ክትኣቱ ጌርዋ፡፡

ምንሊክ ብኣካል ናብ ትግራይ ቅድሚ ምምፅኡ ናብ ትግራይ ኣትዩ ኲናት ክውልዕ ዝተልኣኸ ደገዝማቲ ስዩም፤ ምስ ሃፀይ ዮሃንስ ይኹን ራእሲ ኣርኣያ ንእሽቶይ ዝኾነ ዝምድና ዘይብሉ ክንሱ፤ ራእሲ መንገሻ ኣብ ሓዘን ዳስ እናሃለዉ ኣነ እየ ወራሲ ዓራት ብዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊኦም ኲናት ብምኽፋት ኣብ ዓድዋ መዕረፊት ሃፀይ ዮሃንስ ዝነበረት የትነበርሽ ሓዊሱ እቲ ከባቢ ብሓዊ ተቓፀለ፡፡ ትግራይ ንምድኻም ብምንሊክ ተመዚዙ ዝተልኣኸ ደገዝቲ ስዩም፤ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ራእሲ መንገሻ ዝኸፈቶ ኲናት ሓዊሱ ብሓፈሻ 26 ዓበይቲ ኲናታት ኣከየደ፡፡ ውዕል ውጫለ ስዒቡ መብዛሕቲኡ ከባቢታት መረብ ምላሽ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊት ጥልያን ምእታዉ ስዒቡ፤ ትግራይ ኣብ ክባ ፀላእቲ ኣትያ፡፡ ኣብ ውሽጣ ዝካየድ ውግእ ሕድሕድን ሸውሃት ምንሊክን ተወሲኽዎ መሊሳ ናብ ሕምስምስ ኣተወት፡፡

3 ጀኖሳይድ ትግራይ ብትሉምን ዝተዋደደ መልክዕን እዩ ተፈፂሙ፡፡ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ስዒቡ ዝተፈረመ ውዕል መሸጣ ኤርትራ፤ መስመራት ንግዲ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ክዳኸምን ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይ ክግደብን ዝዓለመ ኔሩ፡፡ ብኻሊእ ገፅ ዓንዲ መሰረት ገባር ትግራይ ዝኾና እንስሳት ንምፅናትን ካብ መኣዲ ሕርሽኡ ጠቕሊሉ ክጠፍእን ብምሕሳብ፤ ሕማም ጉልሓይ ክተኣታቶ ብምግባር፤ ከፍቲን ኣጣልን ሓዊሱ ሓራምዝ ትግራይ ከይተረፉ ክረግፉ ተጌሩ፡፡ ክሳብ እዚ እዋን ክፉእ ዘመን ዝብል መፀውዒ ዝፍለጥ ሓደጋ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ስዒቡ ብምንሊኽ ዝተኣታተወ ተንኮል ኔሩ፡፡ በቲ ሓደ ገፅ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝግበር ዕረፍቲ ዘይህብ ኲናት፤ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ምድኻም ንግዲን ሕማም ጉልሓይን ስዒቡ ኣብዑር ስለ ዝሃቑ ዝሕረስ መሬት ትግራይን ኤርትራን ባዲሙ ከረመ፡፡

ትግራይ ኣያ ስኢና ክትዳኸም ዝገበረ ምንሊክ፤ መራሕቲ ከገብር ብዝብል ምስምስ ብኣንፈት ሰሜንን ደቡብን ኲናት ከፈተላ፡፡ ብኣንፈት ደቡብ ዝመፀ ሓይሊ ምንሊክ ካብ ዞብል ብምምራሕ ደገዝማቲ ስዩም ቀንዲ መሳለጢ ኮይኑ ኣገልገለ፡፡ ብኣፈት ሰሜን ድማ ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ውጫለ ንምዝርራብ ኣብ ጥልያን ብዝፀንሐ ራእሲ መኮነን ዝምራሕ ሰራዊት ጥልያን ካብ ድባርዋ ብኣንፈት ዓድዋ ናብ መቐለ ኣምረሐ፡፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 1882 ዓም ጀሚሩ ደቡባዊ ክፍሊ ትግራይ ዝኣተወ ሰራዊትን መፅዓኛን ምንሊኽ ነተን ህዝቢ ትግራይ ብጭዃሮ ዘሪእወን ዝኸረመ ዘራእቱ ኣብረሰን፡፡ ካብ ትግራይ ወርቂ ክተምፅእ ተባሂሉ ዝተኣኻኸበ ዓቀይታይ ሰራዊት ምንሊኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ክፍፅም ጀመረ፡፡ ካብ ቆቦ ጀሚሩ ንብረት ምዕናውን ወዲ ተባዕታይ ብምስላብን ዝጀመረ ወራር ምንሊኽ፤ መቐለ ክሳብ ዝኣቱ ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ኣዋርሕ የማነ ፀጋም ዓዲታት ራያን እንደርታን ኣባዲምወን፡፡ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበፅሐ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ገዝኡ ወርቂ (ቅርሺ) እንተዘይተረኺብዎ ይቕተል፡፡ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዋላ ህፃን ይኹን ክስለብ ተገበረ፡፡ ደቂ ኣነስቲዮ ትግራይ ካብ ኣምሓሩ ምእንቲ ክጠንሰ ብኣልማሞት ዓመፅወን፡፡

ብራእሲ መኮነን ተመሪሑ ብሰሜን ኣቢሉ ዝመፀ ሰራዊት ጥልያንን ብደቡብ እናቐተለን እናቃፀለን ዝመፀ ዓቀይታይ ሽዋን ኣብ ድሮ ፋሲጋ ኣብ ከተማ መቐለ ብምርኻብ ሓዱሽ ትልሚ ኣውፂኦም፡፡ እቲ ትልሚ ምንሊኽ ማርያም ፅዮን ኣኽሱም ክሳለሙ ብዝብል ምስምስ ክሳብ ኣኹሱም ዘሎ ከባቢታት ንምዕማውን ህዝቢ ንምጭፍጫፍን ዝዓለመ ኔሩ፡፡ ራእሲ መንገሻ ተምቤንን ከባቢኡን ንምክልኻል እኳ እንተኸኣሉ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ጀኖሳይድ ምክልኻል ግን ኣይከኣሉን፡፡ ምንሊክ ክሳብ ኣኹሱም ዘሎ ቦታታት እናሕረሩ ንምኻድ ናብ ኣፅቢን ሓራማትን ወፍሪ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኣብ ከቢድ ጭንቂ ኣትዮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከይሓዝካ ስልጣን ኣቦታት ትግራይ ምዕቃብ ትርጉም ኣልባ ብምባል ድማ ተስፋ ቆረፁ፡፡

ምንሊክ ናብ ትግራይ ዝመፀ ራእሲታት ትግራይ ንምግባር እንበር ካሊእ ሓሳብ የብሉን ዝብል ነጋሪት ብዙሓት መሳፍንቲ ትግራይ ኣደናጌ፡፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይ ፍልልይ ፈጢርካ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝዓለመ እቲ ንግርቲ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክልተ ከፊልካ ከይረዳዳእ ብምግባር ሓይሊ ትግራይ ብዘላቒነት ክዳኸምን ሓደጋ ቤተመንግስቲ ሽዋ ናብ ዘይኾኑ ደረጃ ምውራድን እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ቀዲሞም ኢዶም ሂቦም መቐለ ኣትዮም ዝነበሩ በዓል ራእሲ ስብሓትን ካልኦትን ኣረሜንነት ምንሊኽ ሪኦም ብምስክሕኻሕ ካብ ምንሊክ ሰራዊቶም ሒዞም ብምጥፋእ ናይ መወዳእታ መስዋእትነት ንምኽፋልን ከባቢኦም ንምሕላውን ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ከይዶም ዓረዱ፡፡ ኣተሓባበርቲ ከባቢታት ኣፅቢን ደራን እውን ብመረግሕ ሓዊሱ ዘለዎም ሓይሊ ብሙሉኡ ተጠቒሞም ከባቢኦም ምሕላው ከኣሉ፡፡

ዓቀይታይ ሽዋ ዝኣተወለን ከባቢታት ትግራይ ካብ ጉልሓይ ዝተረፋ ጥሪትን ብጭዃሮ ዝተኣከባ ዘራእቲን ሓዊሱ ዝተረኸበ ንብረት እዩ ዝወርር፡፡ ዝተረኸበ ወዲ ተባዕታይ ድማ ወይ ይቕተል ወይ ይስለብ፡፡ እንተኾነ ግና በቲ ዝወጠኖ ትልሚ ናብ ኣኹሱም ከም ዘይበፅሕ ብኣንፈት ምብራቕ ዝፈተኖ ምንቅስቓስ ንኽሳራ ኣቃሊዕዎ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ከባቢ ሓራማትን ፍረወይኒን ተወሲኑ ተረፈ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግይ ዝበፅሕ ኣደራዕ ዘስካሕኸሖም¸ራእሲ መንገሻ ብግዲኦም፤ እቲ ኩነታት ብሰንኪ ንሶም ኢዶም ዘይምሃቦም ዝተፈጠረ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ናብቲ ተዳኺሙን ኣብ ትግራይ ተስፋ ቆሪፁን ዝነበረ ምንሊክ ኢዶም ሃቡ፡፡ መራሕቲ ትግራይ ስኣን ተወዲቦም ምቅላስ ነንበይኖም ተበታቲኖም ኣደዳ ኣዛብእ ሽዋ ኮይኖም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ መድሕን ስኢኑ ብሰሜን ብጥልያን፣ ብደቡብ ብምንሊኽ፣ ኣብ ውሽጡ ድማ ውግእ ሕድሕድን ሕማም እንስሳትን ተደራሪበምዎ ተዳኺመ፡፡

ከም ትዕዝብቲ ደፍተራ ፍሰሃእየዝጊ ኣብ መንጎ ራእሲታት ትግራይ ዝነበረ ጥምረት ምፍራሱ ስዒቡ ሹሻይ ተኸደንቲ ዌባን ደፋእቲ ዳባን (ደፍተራታትን ፈለስቲን) ኮይኖም፡፡ ምንሊክ ቅደሚ ናብ ትግራይ ምእታዎምን ንደገዝማቲ ስዩም ኣኸቲሎም ደፍተራታትን ፈለስቲን እዮም ልኢኾም፡፡ ኣብ ትግራይ ዘይተለመደ ትንግርቲን ትንቢትን ኣለና ብምባል ናብ ራእሲታትን ደገዝማቲታትን ትግራይ ተፀጊዖም ንስኻ ኢኻ ቀፃሊ ንጉስ ብምባልን፤ ኣብ ቤተ እምነታት ክንገረሉ ብምግባርን ምስቲ ካሊእ መስፍን ትግራይ ክዋጋእ ይገብርዎ፡፡ ብመሰረት ባህልን ልምድን ትግራይ ከም ወራሲ ዓራት ሃፀይ ዮሃንስ ኮይኖም ዝተቐመጡ ራእሲ መንገሻ እናሃለዉ፤ ብሰንኪ እዞም ነገርቲ ትንቢት ኢና በሃለቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ መራሒ ከይተኣማመንን ንራእሲ መንገሻ ከይተረፈ ተጠራጠሮም፡፡

ተጋሩ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ሓድነት ምልሕልሑን ዝተፈጠረ ጥሜትን ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ዓቀይታይ ሽዋ ትግራይ ዳግም ከም ዘይትትስእ ኣሕሪርዋ እዩ፡፡ ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከደኝ ነቲ ኩነታት ከምዚ ይገልፆ፡፡ “ኣብ እዋን ዳግማይ ምንሊክ ተጋሩ ጠፊኦም እዮም፡፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ትግራይ ምስ እትኸይድ ዝጠፍአ እንበር ዝለምዐ ነገር ኣይረኣየካን፡፡ ሰብ ካብ ዝነብረለን ኣጉዶታት ንላዕሊ ዝተቓፀላን ሰብ ዘይነብረለን ዝፈረሳን ይበዝሓ፡፡ መናእሰይ ትግራይ ሹም ከም ዝሰኣነ ንህቢ ፈቐድኡ ክበታተን ትሪኦ፡፡ ብሰንኪ ድኽነት ኣብ ካሊእ ከባቢታት ከይዱ ሸቂሉ ኣብ ዝበልዐሉ እዋን ድማ መቐለዲ ጓኖት ኮይኑ ይረአ፡፡ ኩሉ ከባቢታት ብሰላም እናነበረ ትግራይ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ትርከብ፡፡ ንምዃኑ ምንሊክ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቦም ይሪእዎ ዶ? ” ክብል ሓዘኑ ብሕቶ ይገልፅ፡፡

ብምንሊክ ተመሪሑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈመ ጀኖሳይድ፤ ካብ ንግስነት ይኩኖ ኣምላክን ሽርሓዊ ሓሶት ፅድቅና ተኽለሃይማኖትን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክፍፅምዎ ዝተመነዩ ነዊሕ ስትራቴጂ ኣብ መደምደታ ዘብፀሐ እዩ፡፡ ብሽርሙም ቁርሙም ክትግብርዎ ዝፀንሑ ጀኖሳይድ ምንሊክ ብሰፊሑ ፈፂምዎ፡፡ ብእምነቱ፣ ኣተሓሳስብኡን ስነ-ልቦንኡን ካብቲ ካሊእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝሐሸ እናኾነ፣ ንዝተፈፀሞ ጀኖሳይድን መንግስታዊ በደልን ቀልጢፉ እናተወደበ ዝፀንሐ ትግራዋይነት ክዳኸመሉ ዝኽእል ስልቲ ተሓንፂፅሉ፡፡ ካብ ገፅ መሬት ጠቕሊሎም ከጥፍእዎ ስለ ዘይከኣሉ ብኣተሓሳሰባ ተኸፋፊሉ ክዳኸም ፍርቂ ኣካሉ ተቖሪፁ ንባዕዲ ክሽየጥ ተጌሩ፡፡ ነቲ ዝተረፈ ፍርቂ ድማ ብኽልተ ገፅ ከቢብካ ክቕህምን ምስ ኣተሓሳስባ ሽዋ ክመሳሰልን ኣብ ትግራይ ጥር እትብል ዕድል ስራሕ ከይትህሉ ብምግባር፤ ትግራዋይ እናተሰደደ ናብ ሽዋን ኤርትራን ክበታተንን ትርጉም ትግራዋይነት መሊኡ ክጠፍእን ፅዒሮም፡፡

ኣመሓደርቲ ትግራይ ብቐጥታ ካብ ሽዋ ዝተሾሙ እኳ እንተዘይኮኑ፤ እምነቶምን ተግባሮም ካብ ስነ ልቦና ሽዋ ከይወፅእ ብምግባር ህዝቢ ብጉቦን ብላዕን፣ መንግስታዊ መድልዎን መስፍንነትን ክከፋፈል ተጌሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ቆላሕ ኢሉ ዝሪኦም መራሕቱ ሕድሕዶም ተዋጊኦም ክቃተሉ ብምግባር፤ መፃኢ ዕድሉ ዘይጥምትን ኣብ ፅልምትምት ዝነብርን ጌረምዎ፡፡ ብፍላይ መስዋእቲ ራእሲ ሓጎስን ኣሉላን ስዒቡ ኢድ ኣእታውነት ሽዋ እናገነነ ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ ድማ ርእሱ እናደነነ ከይዱ፡፡ ኣብ ዓለማዊ ምሕደራ ምድኻም ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ሓቦ ኣስኒቓ ክትልእኽን ታሪኽ ትግራይ ክትስንድን ዝፀንሐት ቤተ ክርስትያን እውን እንተኾነ ካብ ኢድ ኣእታውነት ምንሊክ ኣይደሓነትን፡፡  ንኸባ 1700 ዓመታት ብንቡረ-ኢድ ክትምራሕ ዝፀንሐት ማርያም ኣኹሱም ፅዮን ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ሽዋ ብዝተመደበ ኣመሓዳሪ ክትምራሕ ብምግባር፤ ኣብ ታሪኻ ብኣምሓርኛ ክትሰብኽ ተገዲዳ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣምሓራዊ ስነ ልቦና ንምፍጣር፣ ኣብቲ ህዝቢ ቀንዲ ማሕበራዊ ርክብ ጌሩ ዝወስዶ ቤተ ክርስትያን ስብከት ኣምሓርኛ ተስፋሕፊሑ፡፡ ከተማታት ትግራይ ብኣምሓርኛ ምዝራብ ከም ምልክት ስልጣነ መሲሉ ክረአ ገፊሕ ፃዕሪ ተጌሩ፡፡ ቋንቋ ስራሕ መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ኣምሓርኛ ክኸውን፣ ርስቲን ጉልቲን ትግራይ ቀጥታ ካብ ሽዋ ብዝመፅእ ኣንፈት ክመሓደር ብምግባር ትግራይ ብምዕራብን ደቡብን እናፀበበት ክትከይድ ተሰሪሕሉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ወዲቡ ከቃልስ ዝኽእል ሓይሊ እናሰኣነ ብምኻዱ ጥልያን ናብ ዝቆፃፀሮ ኤርትራ ምህዳም ብሕታዊ መግለፂ ቁጠዐ ኮይኑ፡፡ እንተኾነ ግና ጥልያን እውን ምስ ምንሊክ ክትበኣስ ድሌት ስለ ዘይነበራ ብምንሉክ ዝድለዩ መራሕቲ ኣሕሊፋ ንመሃብ ንድሕሪት ኣይትብልን ኔራ፡፡ ብምዃኑ ድማ ዕድል ትግራይ ካብ ድሌት ምንሊኽ ፍሒት ናብ ዘይትብለሉ ደረጃ ዝወረደትሉ ፍፃመ እዩ መበል ሳልሳይ ጀኖሳይድ ትግራይ፡፡