ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን 10 ኤጵስ ቆጶሳት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከም ዝሸዉም ኣፍሊጡ።ላዕለዋይ ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘገልግሉ ኤጲስ ቆጶሳት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፣ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ዞባ ደቡብ ትግራይ እንትኾኑ ኣብ ወፃኢ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣዉሮጳ፣ ኣወስትራሊያ፣ ካናዳን ማእኸላይ ምብራቕን ክሸዉም ወሲኑ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ተሸይሞም ዕላዊ ስረሖም ከም ዝጅምሩ ሓቢሩ ።
