Home ዜና ዉሳነ ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን

ዉሳነ ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን

1059

ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን 10 ኤጵስ ቆጶሳት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከም ዝሸዉም ኣፍሊጡ።ላዕለዋይ ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘገልግሉ ኤጲስ ቆጶሳት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፣ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ዞባ ደቡብ ትግራይ እንትኾኑ ኣብ ወፃኢ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣዉሮጳ፣ ኣወስትራሊያ፣ ካናዳን ማእኸላይ ምብራቕን ክሸዉም ወሲኑ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ተሸይሞም ዕላዊ ስረሖም ከም ዝጅምሩ ሓቢሩ ።