Home ዜና ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ኣብ ትግራይ ተበቲኑ ዘሎ ዓቕሚ ብምውዳድ ናብ ዝሓሸ...

ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ኣብ ትግራይ ተበቲኑ ዘሎ ዓቕሚ ብምውዳድ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ- ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ

1446

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ምስ ማእኸል መሰልጠኒ ህይወት ክህሎት ሳክሰስ ብምትሕብባር ዝሰናዳእ ውድድር ስራሕ ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ብምስግጋር ትግራይ ንምልዋጥ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብፂሒቶም ንኸበርክቱ ዝዓለመ መድረኽ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ መድረግቲ ኣካላት ናትና ንብሎ ምህዞን ፈጠራን ተጠቒምና ካብ ዘለዉና ተደራረብቲ ፀገማት ንኽንወፅእ ብፂሒትና ክንፍፅም ኢና ኢሎም።

ቁጠባ ትግራይ ባይታ ዘቢጡ እዩ ዝበላ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሳይንስ ፣ቴክኖሎጂ ፣ ፈጠራን ስልጠናን ትግራይ ዶክተር ኣልጋነሽ ተሰማ ዕብየት ትግራይ ብዘይ መሃዝትን ስራሕ ፈጠርትን ስለዘይሕሰብ ኣብዚ ዓውዲ ርኡይ ዝኾነ ስራሕ ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢለን።

ምህዞ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ናይ ደቂ ሰባት ፍልጠትን ጉልበትን ብምትሕብባር ኩለመዳይ ለውጢ ንምምዝጋብ ወሳኒ ከምዝኾነ ዘብርሁ ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምክትል ፕረዚደንትን ካቢኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ተበቲኑ ዘሎ ዓቕሚ ትግራይ ኣዋዲዱ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሰጋግር ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ንትግራይ ኩለመዳይ ፀገማት ዝፈትሕ ንክኸውን ዓቕምታት ወዲቡ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ካብ መንግስቲ ፣ ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ዝርከብዎ ኣድቫይዘሪ ቦርድ ኣብቲ መድረኽ ተጣይሹ።

ብገ/መስቀል ኪሮስ