Home ዜና ወረዳ ኢሮብ ሓዊሱ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ናብ...

ወረዳ ኢሮብ ሓዊሱ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ናብ ንቡር መሊስካ ፣ ስቓይ ህዝብና ንከብቅዕ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

619

ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ንዝዓነውን ዝተጉሓሉን መሰረተ ልምዓት እታ ወረዳ ንምሕዋይን ንምህናጽን ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ምክያድ ይርከብ ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ናብ ብሄረሰብ ኢሮብ ክንከይድ እንትንሓስብ ግዕዝም ንምብላዕ እንተይኮናስ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ማሕበረሰብ ሰብ እቲ ወረዳ ኣብ ምቅላል እውን ነብሲ ወከፍ ህዝቢ ትግራይ ዜጋዊ ብጽሒቱ ክፍጽም ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዋላ’ኳ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ኢሮብ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት እንተኾነ ፣ ኮይኑ ግና ኩሎም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ  ናብ ንቡር መሊስካ ፣ ስቓይ ህዝብና ንከብቅዕ  ኩለ መዳያዊ ጠለባት ህዝብና ንምቅላል ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኢሎም።

ህዝቢ ኢሮብ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ መብዛሕቲኡ ከባቢታት እቲ ወረዳ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ብምህላው ንከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ተቓሊዑ ይርከብ።

እቲ እናተሳለጠ ዝርከብ መድረኽ ምትእክኻብ እቶት ብዝደመቐ ተሳትፎ ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብን ፈተውቲ ማሕበረሰብ ኢሮብን እናተኻየደ ይርከብ።

መርሃዊ ተስፋይ