Home ዜና ዑደት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ዑደት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

1528

ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ይኣትው ከምዘሎን ይኹን እንበር እቲ ዘሎ ጠለባት ካብቲ ዝቐርብ ዘሎ ንላዕሊ ብምዃኑ ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ደገፎም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዶክተር ካትሪን ሲዚ ኣተሓሳሲበን፡፡

ተፈጢሩ ዘሎ ህዋህው ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ተስፋ ሂቡ ከምዘሎን ጠለብ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝኸፈአ ብርኪ ስለዝርከብ ነዚ ተሓሳቢ ብመግባር ምስራሕ ከምዘድሊ ዶክተር ካትሪን ሓቢረን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብመተሓባበሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዶክተር ካትሪን ሶዚ ዝተመረሐ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዑደት ዘካየደ ኮይኑ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ትግራይን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ብምርኻብ ዘትዩ

ብታዛማዲ ዜና ኵናት ትግራይ ዘስዕቦ ኩለመዳይ ቅለውላው ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣካል ምዕዛቡ ትግራይ ንምርግጋፅ ሰላም እትሰርሖ ዘላ ስራሕትን ንምዕዛብ ኩለመዳይ ሓገዝን ወሳኒ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ገሊፆም፡፡

መንግሰትን ህዝብን ትግራይ ንምርግጋፅ ሰላም ክቃለሱ ምፅነሖም ብምዝኽኻር ካብ ኲናት ብምውፃእ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ኣገንዚቦም