Home ዜና ዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ኣብ ትግራይ

ዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ኣብ ትግራይ

618

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ሮላንድ ኮቢያ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ትግራይ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትዮም።እቶም ኣምባሳደር ምስ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድማዒ ዘተ ከም ዝገበሩ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሮላንድ ኮቢያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ ከባቢታት ዓድግራትን ሽረ እንዳስላሴን ተዘዋዊሮም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፀሐ ሃሰያ ከም ዝዕዘቡ ተሓቢሩ ኣሎ።ተኽለወይኒ ኪዳነ