Home ዜና ዑደት ኣምባሳደር ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ትግራይ

ዑደት ኣምባሳደር ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ትግራይ

608

ኣምባሳደር ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ሚራስሎቭ ኮሴክ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ጣብያ ሓየሎም ኣብ ስራሕቲ መስኖን ሓፈሻዊ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻን ብፀላእቲ ንዝበፀሐ ጉድኣትን ተዘዋዊሮም ተዒዚቦም።

ሓረስቶት ወረዳ ፅርኣ ወምበርታ ጣብያ ሓየሎም እቲ ንክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳንዳዊ ኲናት ከቢድ ዕንወት ከም ዘብፀሓሎም ገሊፆም።እቶም ሓረስቶት ነቲ ብኣምባሳደር ቸክ ሪፓብሊክ ንዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብቲ ዘሎና ፀገም ንምዉፃእ ንእነካይዶም ሕርሻዊ ንጥፈታት ሕፅረት ቀረብ ዝራእቲ፣ዘበናዊ ድኹዒን ናውቲ ማሕረስን ዓብይ ዕንቅፋት ይኾኖም ከም ዘሎ ብምጥቃስ ዘድሊ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም።

ኣተሓባበሪ ስነ-ዘራእትን ልምዓት መስኖን እቲ ወረዳ ኣይተ ካሕሳይ ገብረማርያም ብግዲኦም ኣብታ ጣብያ በቶም ወረርቲ ሓይልታት ብኣማኢት ዝቑፀራ ሓረስቶት ዝጥቀሙለን ጀነረተራት ከም ዝተቓፀላን ከም ዝተዘመታን ብምሕባር ትሕተ ቅርፂ ስራሕቲ መስኖ እዉን ፈራሪሶም እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ነቲ ዕንወት ዝተዓዘቡ ኣምባሳደር ሚራስሎቭ ኮሴክ ካብቶም ሓረስቶት ንዝቐረበሎም ሓሳብ ድሕሪ ምስማዕ ሃገሮም ኣብ ዳግመ ህንፀት ብኲናት ዝዓነወት ትግራይ ሓገዛ ክተበርክት ምዃና ገሊፆም።