Home ማሕበራዊ ዓፀቦ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ

ዓፀቦ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ

816
0

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ክባን ዕፅዋን ዝወለዶ ካብ እዋን ናብ እዋን ፀገማት እናተጋደዱ ይኸዱ ብምህላዎም ዝምልከቶ ኣካል ክሕግዞም ተማሕፂኖም፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ንምስምዑን ንምዝራቡን ከቢድ ኣረሜናዊ ተግባር እዩ ተፈፂሙ፡፡ ካብቲ ዞባ ዝተመዛበሉ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተዓቂቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ካብታ ምውቕቲ ገዝኦም ንነብሶም ጥራሕ ሒዞም ከምዝመፁ ይዛረቡ፡፡

ህዝቢ ከተማ ዓዲግራት ክሳብ ሎሚ ካብታ ዘላቶ የካፍሎም ምንባሩን ሕዚ ግና ንባዕሉ እውን ኣብ ፀገም ብምህላው ህይወት እዞም ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘሎ ገሊፆም፡፡መምህር ደስታ ወልዱ መተሓበሪ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማእኸል ተመዛበልቲ ከተማ ዓዲግራት እዮም፡፡

ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ ፋሽስታውያን፣ ወረርትን ገበቲ ሓይልታትን ህይወቱን ንብረቱን ስኢኑ ንፀገም ከምዝተቓልዐን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብክባን ዕፅዋን ንዓፀቦን ሞትን ተሳጢሑ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ዝምልከቶም ኣካላት ቅልጡፍ መፍትሒ ብምግባር ህይወቶም ካብ ሞት ንከድሕኑሎም ድማ ፀዊዖም፡፡

ብምዕራፍ ገ/ፃድቅ

Previous articleውፅኢታት ምህዞ እታወታት ሕርሻ ንምድንፋዕ መፍረያይነት
Next articleኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ተቋሪፁ