Home ዜና ዘላቒ ሂወት ስድራ ስውኣት፤ ጉድኣት ኣካል ተጋደልትን ብሓፈሻ ሂወት ተጋዳላይ ትግራይ ውሕስ...

ዘላቒ ሂወት ስድራ ስውኣት፤ ጉድኣት ኣካል ተጋደልትን ብሓፈሻ ሂወት ተጋዳላይ ትግራይ ውሕስ ንምግባር ዓሊሙ ንዝተጣየሸ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ምድጋፍ ሓበራዊ ዕማም ተጋሩ እዩ ኢሎም ኣቦ ወንበር ቦርድ እቲ ኮሚሽን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ

902

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢኔ ሴክረታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብዛዕባ ስራሕቲ እቲ ኮሙሽን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ቐዳማይ ዕማም እቲ ኮሙሽን ጉዳይ ስውኣትን ስድርኦምን ብቐፃሊ ክግበረሎም ዝግባእ ስራሕትን እዩ ከምኡ እዉን ኣካሎም ንዝጎደሉ ጀጋኑ ካብ ምሕካም ክሳብ እግሪ ምትካል ዘሎ ጉዳይ ቐንዲ ትኹረት እቲ ኮሚሽን ምዃኑ ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ዉሑስ ንምግባር ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ መኸተ ንወሎዶታት ዝሳገር ወርቃዊ ታሪኽ ተጋድሎ ፈፂሙ እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ኮምሽን ሃርበኛታት ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 3 ዓመታት ሓይልታት ፅንተት ንምምካት ዝተሰዉኡን ኣካሎም ዝጎደሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ስርዓት ደርግ ንምድምሳስን ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራን ዝተሰዉእዎም ስድራ ስዋኣትን ጉዱኣት ኲናትን ዉን ዘለዎም ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ዝፈትሕ እዩ ክብሉ ገሊፆም ።

ብሓፈሻ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ምእንተ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንዝተጋደለ ተጋዳላይ ትግራይ ብዘላቕነት ዝጣየሸሉ ኣሰራርሓ መልክዕ ዘትሕዝ ትካል ምዃኑ ዝገለፀ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ነዚ ኮሚሽን ምድጋፍ ብሄራዊ ግቡእ ኹሉ ትግራዋይ እዩ ኢሉ።

ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ሃርበኛታት ትግራይ ኣይተ ናስር መምሑር ዓብደልዓዚዝ ብወገኖም ምምስራት ናይቲ ኮምሽን ታሪኽን ተጋድሎን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምዕቃብ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ትግራይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ንሰራዊትና ዝገብሮ ዝነበረ ኩለመዳይዊ ሓገዝ ብዝተወደብን ስርዓት ቁጽፅር ብዘለዎን መንገዲ ክምራሕን ሃርበኛታትና ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ዕዙዝ ብፅሒት ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚሽን ክድግፉ ዝደልዩ ወገናት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክጥቀሙ ዝኽእሉ ምዃኖም ድማ ተጋደላይ ናስር ገሊፁ።

______

ሒሳብ ቑፅሪ 0965177830101

SWFITCODE WEGAETAA

ባንኪ ኣንበሳጨንፈር ኣምባሰይራ (መቐለ)

ሒሳብ ቑፅሪ 0031196046397

ብዮሃንስ ብርሃን