Home ዜና ዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን

ዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን

520
0

—-

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕደር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ካቢኔኦም ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘተ የካየዱ ኣለው። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፈዴራልን ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት፣ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዘድሃበ ዘተ እናካየዱ’ዮም። ቢሮ ፋይናንስን ሃፍቲ ምሕዳራን ትግራይ ድማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ዘካየዶ ዳህሳስ ቀሪቡ እናተዘተየሉ እዩ።ኣብቲ ኣብ ዙርያ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዘድሃበ ዘተ ዝምልከቶም ኣባላት ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትር ፋይናንስ ወ/ሮ ሳማሪታ ስዋሰውን ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይሬክተር ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኦስማን ድዮንን ተረኺቦም። ዝርዝር ምስ በፀሐና ክነስዕብ ኢና

Previous articleኣብ ወረዳ ሳምረ 25 ሰባት ብጥሜት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።
Next articleለበዋ ኮሚሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕፃል ሓገዝ ትግራይ