Home ዜና ዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ

ዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ

1115

 ክሳብ መፋርቕ ሓምለ ዝናብ ከይረኸቡ ኣብ ዝፀንሑ ከባቢታት ትግራይ ሕዚ ፅቡቕ ዝበሃል ዝናብ ጀሚሩ ከምዘሎ በዓል ሞያ ማእኸል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ዳርጌ ፍቓዱ ኣፍሊጦም።

ከም ኣገላልፃ እቶም በዓል ሞያ ትንበያ ከባቢ ኣየር፣ ኣብ ሓምለ ተሪፈን ኣብ ዘለዋ መዓልትታትን ኣብ ወርሒ ነሓሰን ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ክህሉ እዩ ተባሂሉ ይግመት። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ኣብ ዝርከቡ በረኽቲ ከባቢታት ልዕሊ ስሩዕ፣ ኣብተን ዝተረፋ ከባቢታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ሓዊሱ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ማእኸልን ደቡብን ትግራይ ድማ ስሩዕ ዝናብ ክህሉ እዩ ዝበሉ ኣይተ ዳርጌ ኣብ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ግና ውሑድ መጠን ዝናብ ክህሉ እዩ ኢሎም።

ዝናብ ክራማት ሎሚ ዘበን ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ማለት እዉን ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ክሳብ ጥቅምቲ  እንትቕፅል ፣ ኣብ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ግና ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ከምዘቋርፅ ሓበሬታ ማእኸል ሜትሮሎጂ ትግራይ የመላኽት።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብርቱዕ ዝናብ ስለዝህሉ ሓደጋ ውሕጅ ሓደ ስግኣት ክኸዉን እዩ ዝበለ እቲ ማእኸል ማይ ናይ ምንታዕ ባህሪ ዘለወን ከባቢታት እዉን ብሰንኪ በዝሒ ዝናብ፤ ማይ ክነትዕ ስለዝኽእል ኣብ ኣዝርእቲ ኣሉታዊ ፅልዋ ከየሕድር ሕብረተሰብ  ነዞም ስግኣታት  ብልቢ ተገንዚቡ ክፍጠር ንዝኽእል ሓደጋ ኣቐዲሙ ክከላኸልን፣ ማይ ናይ ምፅንፋፍ ስራሕቲ ክዉግን ከምዝግባእን ማእኸል ሜትሮሎጂ ትግራይ ኣተሓሳሲቢ።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ