Home ዜና ደሃይ ውላዶም ዝሰኣኑ ወለዲ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ

ደሃይ ውላዶም ዝሰኣኑ ወለዲ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ

862

—-

ምሳኺ ባእሲ የብልናን ባእስና ምስ ማህፀንኪ እዩ፤ እዚ ማህፀን ደቂ #ትግራይ ዘፍሪ ማህፀን እዩ፡፡ ማህፀን ኣደ ትግራይ ድማ ድሕሪ ሐዚ ፈፂሙ ክወልድ የብሉን ኢሎም ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ንምዝራብ ዘፀግም ግፍዒ ፈፂሞም እዮም፡፡ ይኹን እምበር እታ ክትወልድ የብላን ተባሂላ ናብ ማህፀና ሓፂን ዝኣተዋ ማህፀን ኣደ ትግራይ ዝፈረያ ኣትሌታት ትግራይ ግን ድምቐት ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኮይነን ኣለዋ፡፡

ኣይተ ግደይ ታደሰ ወይዘሮ ተኪኤን ቦኽረፅዮን ድማ ኣብቲ መድረኽ ብ 10 ሽሕ ሜትሮ ቐዳመይቲ ኮይና ናይ ዝተዓወተት ኣትሌት #ለተሰንበት ግደይ ወለዲ እዮም፡፡ ኣትሌት ለተሰንበት ዝሓለፈ ቐዳም ብመሰረት ዘመዝገበቶ ዓወት ሙሉእ ዓለም ብዛዕብኣ ክተውግዕ እንከላ ወለዳ ብኸመይ ኩነታት ውፅኢት ጓሎም ሰሚዕኹም ኢልና ሓቲትናዮም እንትምልሱ “ውፅኢት ጓልና ዘንጊዕና ብወረያ ወረ ኢና ሰሚዕና ናይዚ ምክንያት ድማ ብቴሌቪዥን ከይንከታተል መብራህቲ የለን፣ ብስልኪ ሓበሬታ ከይንረክብ ድማ ስልኪ የለን ስለዚ ብወረ ዝሰምዑ ሓለፍቲ መንገዲ እዮም ነጊሮሙና” ኢሎም፡፡

ኣትሌታት ትግራይ ዓበይቲ ዓወታት ብምምዝጋብ ነዛ ሃገር ውዕለታ ምዃነን ብተደጋጋሚ የረጋግፃ ዋላ እኳ እንተሃለዋ ነዚ ዓወት ዘመዝግባ ዘለዋ ኣትሌታት ትግራይ ትሕጓሰን ምስ ስደርአን ክገልፃ ኣይከኣላን፡፡ ናይዚ ምክንያት ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዓለም ዘራኽብዎ ኩሎም መስመራት መራኸቢ በቶም ሐዚ ብውፅኢት ኣትሌታት ትግራይ ታሕጓሶም ዝገልፁ ዘለው  ፋሽስታዊ ኣብይ ኣሕመድን ጉጅልኡን ኩሎም መስመራት ስለዝተዓፀዉ በዚ እውን ፋሽሽታውያን ወረርቲ ቅድሚ ቅሉዕ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፍፃሞም ኣትሌት ለተሰንበትን ወለዳን በቢግዚኡ እናመፀት ንወለዳ ትሓትት ነይራ፡፡ ኣብ ዘይጠዓማ ግዜ ድማ ብስልኪ ደሃይ ወለዳ ተረጋግፅ ነይራ፡፡ ሐዚ ግን ወለድን ውሉድን ካብ ዘይራኸቡ ክልተ ዓመታት ተቆፂሮም፡፡

ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ደሃይ ወለድን ውሉድን ብኣካል ይኹን ብስልኪ ምስኣን ክንደይናይ መሪር ምዃኑ ድማ ወላዲ እዩ ዝፈልጦ ይብሉ ኣይተ ግደይ፡፡

እዞም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብውፅኢት ለተሰንበት ግደይ ሓጎሶም ዝገልፁ ዘለው ኣንፃር ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝተልዓሉ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ወለዲ ለተሰንበት ዝነብርሉ ወረዳ ሳምረ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ፈፂሞም እዮም፤ ወለዲ ለተሰንበት ድማ ናይዚ ግዳይ እዮም፡፡

ትግራዋይነት ኣብ ከቢድን መሪርን ግዜ እውን እንተኾነ ብዓወት ዝለለ መንነት ምዃኑ ኣብ ከቢድ ፀገምን ናፍቆት ስድራን ኮይነን ዓወት ብምምዝጋብ ዘመስክራ ዘለዋ ኣትሌታት ትግራይ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ኣብ ፀገም ዝርከብ ስድረአን ሃለዋቶም ክፈልጣ ይኹን ክሕግዛ ኣይከኣላን፡፡

ለተሰንበት ብዘመዝገበቶ ውፅኢት ትሕጓስ ወለዳ ክትሰምዕ ይኹን ክትርኢ ኣይከኣለትን፤ ወለዳ እውን ታሕጓስ ውላዶም ክርእዩ ኣይከኣሉን በዚ እውን ደሃይ ውላዶም ካብ ዘይረኽቡ ክልተ ዓመት ዘቑፀሩ ወለዲ ብመስኮት ቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ጓልና ኣብ ዘለክዮ በርትዒ እዚ ግዘ ሓሊፉ ብሰላም ከምንራከብ ተሰፋና እዩ ኢሎም፡፡

ሓበንን ኩርዓትን ትግራይ ዝኾኑ ኣትሌታት ትግራይ መርኣያ ፅንዓትን ዓወትን ትግራዋይነት ኮይኑ ቐፂሉ ኣሎ፡፡

ብክብሮም ተስፋይ