Home ዜና ዳግመ ሕውየት ሃፍቲ ደኒ ትግራይ

ዳግመ ሕውየት ሃፍቲ ደኒ ትግራይ

1191

ጎቦታትን ደኒን ትግራይ ብፍሽስታውያንን ወረርትን ኣብ ዝባኖም ዝዓረፉ ቀወምቲ ተክሊ ተቆሪፆም ብዘይ ዕረፍቲ ድማ ብከበድቲ ብረት ተደብዲቦም እዮም። ይኩን እምበር ኣብ’ታ ቁርፂ እዋን ህዝቢ ትግራይን ጎቦታትን ኣይተከሓሓዱን፡፡

ነዚ እዩ እምባር ፋሽስታውያን ሓይልታት ትግራይ ንምውራር ኣብ ዝመፅእሉ እዋን ከምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፅሕዎ ጨፍጫፍን ዕንወትን ኣብ ልዕሊ  ደኒ ትግራይ እውን ከቢድ ብርሰት ፈፂሞም እዮም፡፡

ናይ’ዚ ኣብነት ድማ ኣብ ወረዳ ቐይሕ ተኽሊ ጣብያ ወርቃኣምባ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብኡ ዓሪዶም ብምፅንሖም  ኣብቲ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ዘብፅሕዎ ጨፍጫፍ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ደኒ እውን ከምዘብረስዎ ነበርቲ እታ ጣብያ ተዛሪቦም፡፡

ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝሰራሕናሉ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ድሕሪት ከይምለስ ግንዛበ ሕብረተሰብ ክዓቢ ብምግባር ዝበረሱ ከባቢታት መሊስካ ንምሕዋይን ፀጋታቶም ድማ ኣብ ረብሓ ንምዉዓል ይስራሕ ምህላዉ ኣማሓዳሪ ወረዳ ቐይሕ ተኽሊ ኣይተ ኣፅብሃ ሕሉፍ ገሊፆም፡፡

ብገነት ካሕሳይ