Home ዜና ድምፂ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ድምፂ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

637

ቕድሚ ኽረምቲ ናብ መረበቶም ብቕልጡፍ ክምለሱ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ህፃናትን ኣዴታትን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓቲቶም።ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፅኡን ናብ መረበቶም ክምለሱን ህፃናትን ኣዴታትን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ህፃናት፣ኣዴታትን ካልኦት ወገናትን ኣብ ትካል ገባሪ ሰናይ እምሆይ ፀጋ ከምዘለውን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እቲ ትካል ኰይኑ ምህላውን ድማ ኣተሓባበርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰላማዊት ማሙን ሃይለ ፀጋይን ሓቢሮም።

ፀገም ተመዛበልቲ ብዘላቕነት ዝፍታሕ ናብ መረበቶም እንትምለሱን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዘለው ህፃናት ናብ ትምህርቲ እንትኣትውን ምዃኑ እውን እቶም መተሓባበርቲ ገሊፆም።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ህፃናት ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብጥሜት ይሳቐዩን ካብ ትምህርቲ ርሒቖምን ብምህላዎም ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሉ እዉን ኣተሓሳሲቦም።ተመዛበልቲ ኣዴታት ብግደአን ብሕፅረት ምግብን ሕማምን ይሳቐያ ከምዘለዋ ኣገንዚበን፤ቕድሚ ኽረምቲ ናብ መረበተን ክምለሳ ድማ ሓቲተን።

ብገ/ብሄር ታደለ