Home ዜና ጀኖሳይድ ትግራይን ስሉስ ኩርናዕ ዘራያትን 5ይ ክፋል

ጀኖሳይድ ትግራይን ስሉስ ኩርናዕ ዘራያትን 5ይ ክፋል

1486

ብመሰረት ኣብ 1948 ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝፀደቐ ኮንቬንሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ጀኖሳይድ ማለት ብትልሚን ኮነ ተባሂሉን ደቂ ሰባት ብሰንኪ ዘለዎም ሓበራዊ መግለፂ (ዘርኢ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካዊ ውዳበ፣ ቋንቋ ወዘተ) ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ካብ ገፅ መሬት ክጠፍኡ ምግባር እዩ፡፡ ብትልሚ ግዳይ ምፅናት ዝኸውን ኣካል፤ ምኽንያት ጥፍኣቱ ዝኾነ ዓይነት ገበን ስለ ዝፈፀመ ዘይኮነስ፤ ኣባል እቲ ክጠፍእ ትልሚ ዝወፀሉ ማሕበረሰብ ስለ ዝኾነ ጥራይ እዩ፡፡ ኣብ ገበነኛ መቕፅዒ ሕጊ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 269 እውን ዘርኢ ምጥፋእ ማለት ምስ ኮንቬንሸን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመሳሳሊ ትርጉም ሂብዎ ኣሎ፡፡ ድንጋገ ዘርኢ ምጥፋእ ኢትዮጵያ “ኣብ እዋን ኵናት ይኹን ሰላም ብሰንኪ ሓበራዊ መግለፂኦም (ዓሌት፣ ዘርኢ፣ ዜግነት፣ ሕብሪ፣ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ እምነት) መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ምዃኑ ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡” ብመሰረት ገበነኛ መቕፅዒ ሕጊ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 269፤ ሓደ ሓበራዊ መግለፂ ዘለዎ ጉጅለ ንምጥፋእ ዝሓሰበ፣ ዘዋደደ፣ ዝወደበ፣ ዘለዓዓለ ወይ ትእዘዝ ዘመሓላለፈን ብሰንኩ ድማ፡-
ሀ. ኣብ ልዕሊ ሓደ ማሕበረሰብ መቕተልቲ፣ ኣካላዊን ኣእሙራዊን ምዝባዕ ዝፈፀመ፣
ለ. ሓደ ማሕበረሰብ ዘርኢ ከይትክእ ወይ ከይነብር ዘዋደደን ዝፈፀመን፣
ሐ. ከባቢ ተፈጥሮ ዘዛበዐ፣ ተመዛበልቲ ወይ ስደተኛታት ዝበተነ፣ መፅለሊን ንምዕሩይ ናብራ ወሰንቲ ዝኾኑ ጉዳያት ዘዕነወ፣ ዝወረረ፣ ዘበላሸወ፣ ታሪኻዊ ቦታታትን ቤተ እምነታትን ዘበላሸወ፣ ዘቃፀለ፣ ዘዕነወ፣ ዝወረረ፣ ኮነ ኢሉ ሰፈር ነበርቲ ክልውጡ ዝገበረ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ቅፅዓት ይብየነሉ፡፡
ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1998 ብግሪጎሪ ኤች ስታቶን ዝቐረበ መፅናዕቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ 8 ደረጃታት ጀኖሳይድ ተነፂሮም ኣለዉ፡፡ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ጀኖሳይድ ተፈፂሙ ዝበሃል መፈፀሚ ትልሚ፣ ምንፃል፣ ምምልኻት፣ ፀለመ፣ ምግላል፣ ምውዳብ፣ ምድላው፣ ጨፍጫፍን ክሕደትን ዝብሉ ኮይኖም ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀምዎም ተግባራት ምሉእ ብሙሉእ ዝመሳሰሉ እዮም፡፡ ኣብ ገበን ጀኖሳይድ ኢድ ዘለዎም ኣካላት ንምድናይ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ2002 ዝተጣየሸ ሮምስታቹ፤ ኣካል ኮንቬንሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀፅ 6 ኮይኑ ክፀድቕ ክኢሉ፡፡ ብገበን ጀኖሳይድ ዝሕተቱ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ብኽፋል ወይ ብሙሉኡ ንምፅናት ቅትለት፣ ኣካላዊን ሕልናዊን መጉዳእቲ፣ ከይወልድን ዝተወለዱ ህፃናት ካሊእ መንነት ክላበሱ ምግባርን ኮይኖም፤ እዞም ተግባራት ክፍፀሙ ዘተባብዑ፣ ዝመርሐ፣ ሓገዝ ዝሃበ፣ ወይ ባዕሉ ዝተሳተፈ ዘጠቓለለ ምዃኑ የማላኽት፡፡ ብመሰረት እዚ ኮንቨንሽን ጀኖይድ ማለት በዝሒ ሰብ ምቕታል ወይ ብምፅናት ዝግለፅ ዘይኮነስ ሓበራዊ መንነት ዘለዎ ክፋል ማሕበረሰብ ኮነ ኢልካ ንምጥፋእ ዝተወደበ ሓሳብ እንተኾኑ ዋላ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝፍፀም መቕተልቲ ወይ ኣካላዊን ኣእሙሮኣዊን ምዝባዕ ኣካል ጀኖሳይድ እዩ፡፡
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብግሪጎሪ ኤች ስታቶን ዝቐረቡ ደረጃታት ዘማልኡን ብኣፈፃፅማ ድማ ሕልፊ ዝኸዱን ብምዃም፣ ብመሰረት ኮንቬንሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀኖሳይድ ኢልካ ንምፅዋዕን ፈፀምቱ ድማ ብመሰረት ሮምስታቹ ክዳነዩ ምግባርን ዘኽእል እኹል መረዳእታ ኣለዎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ብመንግስቲ ትግራይ ተፀኒዑ ንዝቐረበ ሰነድ ብቤት ምኽሪ ትግራይ ተቐባልነት ረኺቡ ኣፅዲቑ ኣሎ፡፡ ውሳነ ቤት ምኽሪ ትግራይ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ተፃርዩ ግቡእ ፍርዲ ክወሃቦ ንምግባር ሓጋዛይ እዩ፡፡ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ትግራይ ስዒቡ ምስ ገበን ጀኖሳይድ ትግራይ ተዛሚዶም ዝቐርቡ መፅናዕቲታት ዘተሓባብር፣ ዝድግፍን ዝከታተልን ኮሚሽን መፅናዕቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ኣጣይሹ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እቲ ኮሚሽን ክብደት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፣ ኣፈፃፅማ፣ ኣብ ሂወትን ኣካልን ደቂ ትግራይ ዝበፅሐ ደረጃ ጥቕዓት፣ ዝዓነዉ መንግስታዊን ውልቃዊን ትካላት፣ መሰረተ ልምዓት፣ በዝሒ ዝጠፍአ ሂወት ሰብ፣ ፈፀምቲ ገበን ጀኖሳይድ፣ ብሳይንሳዊ መፅናዕቲ ኣደጊፉ ኣብ ዓለም ለኸ መጋባእያ ቀሪቡ ህዝቢ ትግራይ ግቡእ ካሕሳ ክረክብ ንምግባር ጥጡሕ ባይታ ዘመቻቹ እዩ፡፡
ኣጀማምራን ከይዲ ኣፈፃፅማን 5ይ ጀኖሳይድ ትግራይ
መንግስቲ ኣቢሲንያ ካብ 1262 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ኤረር (ሽዋ) ካብ ዝዘውር ኣትሒዙ ሃይማኖት ክርስትና ሰሜንን ደቡብን ተባሂሉ ክልተ ዓበይቲ ኣተሓሳስባ ተኸፊሉ ምፅንሑን ን1ይ ጀኖሳይድ ትግራይ ምኽንያት ምዃኑን ኣብ ቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር ትግራይ ተማላኺቱ ኣሎ፡፡ ሰሜናዊ ክፍሊ ክርስትና ጥንታዊ ክብሩን መንነቱን ሓሊዉ፣ ታሪኽን ሕጊ ቤተክርስትያን ከይተበረዘ ምስ ክብሩን ስነልሳኑን ተሓሊዩ ናብ ወለዶታት ክሓልፍ ዝቃለስ እዩ፡፡ ሰሜናዊ ክፍሊ ክርስትና ማእኸሉ ትግራይ ትግርኚ ኮይኑ፤ ጎንደር፣ ዋግኽምራን ገማግም ቀይሕባሕርን ዘጠቓልልን ፈላማይ መሰረቱ ካብ ዝኾነ ኣኽሱም ከይለቐቐ ብሕጊ እንዳባ ዝመሓደር ኮይኑ፤ መንግስታዊ ስልጣን ጥራይ ተሓዲጉ እቶም ዝተረፉ ክብርታት ብሙሉኦም ዝትግበርሉ ኔሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ባህሊን ክብሪን፣ ሃይማኖትን ስነሓሳብን ኣኽሱም መሰረት ብምግባር፤ ነቶም ኣብ ብራና ዝተፅሓፉ ጥንታዊያን መፃሕፍቲ ዝትግብርን ነቲ ብኣባሰላማ ከሳቴብርሃን ተጀሚሩ ብኣብረሃ ወኣፅበሃን 9 ቅዱሳን ዝተስፋሕፈሐ ዶግማን ቀኖናን/ ሕግን ስርዓትን ቤተ-ክርስትያን/ ዝትግበር ኮይኑ፤ ካብ ደቡብ ክፍሊ ኣቢሲንያ ክፍኖ ንዝጀመረ ደባል ኣተሓሳስባ መሉእ ብሙሉእ ዝቃወም እዩ፡፡
ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣቢሲንያ ቦቒሉ እምነትን ጥንቆላን ኣዋሂዱ ዝመፀ ዝተበረዘ ስርዓት ኦርቶዶክስ፤ ብኣቡነ ተክለሃይማኖት ቆሪጭ (ደብረሊባኖስ)ን ብንጉስ ይኩኖኣምላክን ዝማዕበለ ኮይኑ መሰረተ ሓሳቡ ካብ እምነትን ትውፊትን ንላዕሊ ኣብ ንዋይን መንግስታዊ ስልጣንን ተመርኲሱ ዓለማዊን መለኮታዊን ኩነት ኣዛሚዱ ክመርሕ ዝደሊ እዩ፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዙይ ዶግማን ቀኖናን ኦርቶዶክስ ኣብ ዘይቦትኡ ክፅንበር ብምግባር ብናይባዕሉ መንገዲ ዝጓዓዝ ብምዃኑ፤ መንግስታዊ ስልጣን ተበሊፁ ነቲ መለኮታዊ ጉዳይ ንጎኒ ዝገደፈ፣ ተቐባልነቱ ዝተሓተ፣ ዴፕሎማሲያዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ፅልውኡ ዝወረደ ብምንባሩ ህልውንኡ ንምርግጋፅ ምጥፋእ ሰሜናዊ ክፍሊ ክርስትና ከም መማረፂ ወሲድዎ፡፡ እዞም ክልተ ተፃረርቲ ሓሳባት ተሳንዮም ዝኸድሉ እዋን ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ክፍሊ ደቡብ ዝተመስረተ ደባል ሓይሊ ነቲ ነባር ኣተሓሳስባ ብምጥፋእ ህልውንኡ ንምብራኽ ብዙሕ ፃዕሪ ክገብር ተራእዩ፡፡
ብ1478 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባ እስጢፋኖስን ስዓብቱን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይተበረዘ እምነት ዘሰጉም ህዝቢታት ሰሜናዊ ክፍሊ (ጎንደር፣ ዋግኽምራ፣ ትግራይ ትግርኚ) ዝተፈፀመ ኮይኑ፤ መጀመሪያ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢታት ዝተዋደደ መንግስታዊ መፀለምታ ብምክያድ ዝጀመረ ኔሩ፡፡ ብተክሌ ኣቋቋም ዝፍለጡ ተምሃሮ ቤተክህነት ሽዋ መንግስታዊ መሓውር ተጠቒሞም ነቲ ዝሓዘቶ ድርዕቶ ኣተሓሳስባ ንምስፋሕ ከበድቲ ውግኣትን ጥንቆላታትን ብምክያድ ይኩኖ ኣምላክ ኣንጊሳ፡፡ ነቲ ዓውደ ኲናት ክመርሕ ዝፀንሐ ኣባ ተክለሃይማኖት ድማ ቅዱስ ኢላ ብምስያም ኣብ ኣኽሱም ዝፀንሐ መንበረ ጵጵስና ኣብ ሰሜን ሽዋ ናብ ዝርከብ ገዳም ደብረሊቦኖስ ክዘውር ገይራቶ፡፡ ነዚ ተግባር ብምቅዋምን ነባር እምነት ኦርቶዶክስን ንምዕቃብ ንዝመጎቱ ብኣባ እስጢፋኖስን ሰዓብቱን፤ ኣብ ቤተመንግስቲ ሽዋ ልዑል ድንጋፀ ፈጢሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ስራሕቲ ኣባ እስጢፋኖስ ንምንሻውን ሰዓብቱ ከምማሕበረሰብ ንምግላልን እስጤፋ (ሰይጣን) ዝብል ስያመ ተለጢፍሎም፡፡ ኣብ ልዕሊኡን ሰዓብቱን ጀኖሳይድ ንክፍፀም ድማ ብተክሌ ኣቋቋም ዝፍለጡ ተምሃሮ ግሸን ብመዝሙርን ቅኔ ማህሌትን ዝተሰነየ መፀለምታ ኣካይዶም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ፈሊኻ ንኽውቃዕ ኣብ መታልሕ ሕድሕድ ትግራዋይ ምልክት 11 ብምቕማጥ ብኻሊእ ህዝቢ ክፅላእ ልዑል ቅስቀሳ ተገይርሉ፡፡ እዞም ተግባራት ብዝርዝር ኣብ 1ይ ዙር ጀኖሳይድ ትግራይ ኣብ ዝብል ፅሑፍ ተመላኺቱ እዩ፡፡
ኣብ 1ይ ጀኖሳይድ ትግራይ ዝተጀመረ ምልክት ጌርካ ትግራይ ናይ ምፅላም ተግባር 5ይ ጀኖሳይድ ቅድሚ ምፍፃሙ እውን ህዝቢ ትግራይ ፈሊኻ ዝውቀዐሉ ጠቐነታት ብምልጣፍ ዘራያት ንምትእኽኻብ ብዕቱብ ተሰሪሕሎም፡፡ ብውልቀይ ኣብ ዝገበርኩዎ ዉሱን ቁፅራዊ ዳህሳስ ካብ 1987 ክሳብ 2010 ዓ.ም ጥራይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ካሊእ ህዝቢ ተፈልዩ ክረአን ፀላኢ ክበዝሖን ንምግባር ዘኽእሉ 226 መፃሕፍቲ ተሓቲሞም ንንባብ በቒዖም እዮም፡፡ እቶም መፃሕፍቲ ህዝቢ ትግራይ ብሙሉኡ ወያነ ዝብል ታርጋ ክልጠፈሉ ተገይሩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣተሓሒዞም ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኾነ ዓይነት ፅልኢ ዘሕደረ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ክቱር ፅልኢ ክፈጥር ብዝገብር ስልቲ ተቓኒዮም ክስነዱ ተገይሩ፡፡ መብዛሕቲኦም ሰብ ዋናታት እዞም መፃሕፍቲ ልሂቃን ኣምሓራ ኮይኖም፤ ኣብ 2010 ዓ/ም ፍቅሬ ቶሎሳ ብዝተብሃለ ተወላዲ ኦሮሞ ዝቐረበ መፅሓፍ ነቶም ቅድሚኡ ክሕተሙ ዝፀንሑ መፃሕፍቲን ፅልኢታትን ብምጥቕላል ተበታቲኑ ዝነበረ ፅልኢት ኣብ ሓደ ክስለፍ ጌርዎ፡፡ ብኻሊእ ገፅ ነቲ ሓይሊ ትምክሕቲ ካብ 1262 ዓ.ም ጀሚሩ ዝሃነፆን ኣብ ዓለም ዝና ሕሶት ክረኽበሉ ዝፀንሐን ሰለሙናዊ ስርወ ንግስነት ብምፍራስ “ኣዳም ኣብ ጣና ተወሊዱ፣ ኣምሓራይ ሴም ዘይኮነስ ኩሽ እዩ”! ብምባል ማሕበር ኦሮ-ኣማራ ክምስረት ምኽንያት ኮይኑ፡፡
ብናተይ እምነት እዞም ኩሎም መፅሓፍቲ ንሕትመት እንትበቕዑ ዋላ ድኣ ናይ ውልቀሰብ ስም ሒዞም ይተሓተሙ እምበር ኣዳለውቶም ብዙሓት፣ ሓሳቦም ናይ ማሕበር እዩ፡፡ ነዚ መረጋገፂ ዝኸውን ናይ መስፍን ወልደማርያም 3 ዓበይቲ መፃሕፍቲ (አዳፍኔ፣ እንዘጭ እንቦጭን መክሸፍ እንደ ኢትዮጵያን) ምርኣይ ይከኣል፡፡ እዞም ግዙፋት መፃሕፍቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ተሓቲሞም ንንባብ በቒዖም፡፡ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ዋዕላታት ተገይርሎም፡፡ እዞም መፃሕፍቲ ኣሰናዲኦም ዝተብሃሉ ሰብኣይ ኣብቲ እዋን ኣብ ከቢድ ሕማም ዝነበሩ ሽማግለ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ስርዓተ ምትንፋሶም ተዛቢዑ ብሓገዝ መተንፈሲ (ቱቦ) ይትንፍሱ ዝነበርሉ እዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘሎ ሰብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሰለስተ ዓበይቲ ፅሑፋት ኣሰናዲኡ የሕትም ማለት ኣይከኣልን፡፡ እቲ ሓቂ ግን ካሊእ እዩ፡፡ ሓይሊ ትምክሕቲ ብጉጅለ ዘዳለዎም ፅሑፋትን ዝተዛብዑ ኣተሓሳስባታትን ብስም እቲ ጫፍ ትምክሕቲ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ክሕተም ምግባር እዩ፡፡
እዞም ልዕሊ 200 መፃሕፍቲ ከምዘለዉ ኮይኖም ህዝቢ ትግራይ ብምግላል ድሌት ሊሂቃን ኣምሓራ ንምፍፃም ዝተጠቐምሎም ተግባራት ኣብ ጋዜጣ፣ መፅሄት፣ ዩቱብን ምሸታዊ መድረኻትን ከምኡ ድማ ኣስመራን ዋሽንግተን ዲሲን ማእኸል ዝገበራ ጣብያታት ቴሌቪዥንን ራዲዮን መዓልታዊ ኣጀንዳታት ጌሮም ክጥቀመሉ ክኢሎም፡፡ ኩለን ማዕኸናት ሓበሬታ ካብ ሓደ ማእኸል መልእኽቲ ተቐቢለን በብናይባዕለን ኢዲቶርያል ፖሊሲን ኣቀራርባን ዝፍነዋ እኳ እንተመሰላ፤ ኣብ ምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ ርእሰ ጉዳያት ብምልዓል ተመሳሰልቲ ኔረን፡፡ ፍልፍል ሓበሬታ እዘን ሚዲያታት ካብ ሓደ መኹባዕቲ ዝርከብ ኮይኑ ወነንተን ድማ ብቂምን ሕነ ምፍዳይን ተለዓዒሎም ብጠበንጃ ዝበፅሖም ስዕረት ብብርዒ ክቃለሱ ዝተሰለፉ እዮም፡፡ ስሩዓት መደባት፣ ጋዜጣታትን መፅሄታትን ካልኦት መደበኛ ማዕኸናት ሓበሬታን ነቲ ብውነ ዝከታተል፣ ግዜ ሂቡ ዝትንትንን ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎን ማእኸል ዝገበራ ኮይነን፤ ነቲ ብዙሕ ግዘ ዘይብሉ ንኡስ ወለዶ ድማ ምስ ብቴክኖሎጂ ተሳንዩ ዝኸይድ ዕድል ፈጢረምሉ፡፡ ብቐሊሉ ደጋጊምካ ክትዛረቦም ዝኽእሉ ፊልምታት፣ ክሊፓት፣ ብሂላትን ሓፀርቲ ፅሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም፤ ደቂ ትግራይ ኣብ ዘለዉዎ ክስከፉን ክግለሉን ናይ ምግባር ስራሕቲ እዮም፡፡ ባህልን ክብርን፣ ትውፊታትን ቋንቋን ትግራይ ብምጥቃም ትግራዋይ ንምንሻው ክስርሑ ዝፀንሑ ሰይጣናዊ ተግባራት፤ ትግራዋይ ካብቲ ካሊእ ተፈልዩ ክውቃዕ ንምግባር እዩ፡፡ ብክበበው ገዳ ዝተሰርሑ ሓፀርቲ ፀወታታት ምስ እንዕዘብ፤ ህዝቢ ትግራይ ክነዓቕ ዘለዓዕሉ “መጋኛ፣ ፍራሽ ኣዳሽ፣ ጎረቤታሞች” ዝብሉ ፊልምታት ብመስፍን ወልደማርያም ዝተፅሓፉ “ኣዳፍኔ፣ መክሸፍ እንደ ኢትዮጵያ፣ እንዘጭ እንቦጭን የኢትዮጵያ የቁልቁለት ጉዞን” ዝብሉ መፃሕፍቲ ምስ እንርኢ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ባንዳን ካብታ ሃገር ሕሉፊ ተጠቃሚን ጌሮም ብምቕራብ ብኻሊእ ህዝቢ ክፅላእ ምግባር ዘተኮሩ እዮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ክፅላእ ብደገን ውሽጢን ልዑል ፃዕሪ ክገብሩ ዝፀንሑ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራ ብ2009 ዓ/ም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሆቴል ማርዮት ዋዕላ ኣካይዶም፡፡ “መዘዝ ስርዓት ፌደራሊዝምን መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያን” ብዝብል ዝተሳለጠ እቲ ዋዕላ፤ ብላዕለዋይነት ነበር ምክትል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ሄርማን ኮሆን ዝተረኸበሉን ኮይኑ፤ ብኣተሓባባራይነት ልሂቃን ኣምሓራ ዝተፈፀመ እዩ፡፡ ወያነ ብምፅላእ ኣቢልካ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንጀኖሳይድ ክዳለዉን ኣብ ኢትዮጵያ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ኣወዳድባ ክፈርስን መደምደምታ ዝተበፅሐሉ እቲ ዋዕላ፤ እዙይ ንምስላጥ ሓዱሽ መሪሕነት ኣድላይ ምዃኑ ተስማዕሚዑ እዩ፡፡ እቲ ዋዕላ ፍሉይ ዝገብሮ ተወካሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘተ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝተረኸበሉ ኮይኑ፤ ድሌት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓድነት ኢትዮጵያ ክሕሎን ኤርትራ ዳግም ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውንን ንዝፅውዑ ብበዓል ሻለቃ ዳዊት ወልደጅወርግስን ነበር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደርጊ ጎሹ ወልዴን ንዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዋላ ሓንቲ መልሲ ከይሃበሉ ምሕላፉ እዩ፡፡
ሚዲያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተሳለጠ ኣሃዳዊ ጎስጓስ ከም ዘይረኣያ ጎስየን ብምሕላፍ ኣብ ለንደን ዝተሳለጠ “ናፍቖት ኣራት ኪሎ ዘለዎ ኣብ ኣራት ኪሎ ይቀመጥ” ብዝብል ቴማ ዝተሳለጠ ኣብ ናፅነት ኦሮሚያ ዘድሃበ ዘተ ከውግዛ ተራእየን፡፡ ብሽም ኦሮ-ኣማራ ኣብ ባህርዳርን ኣዳማን ዝተሳለጠ ጫውጫው መቐፀልታ ዋዕላ ዋሽንግተን ዲሲ ኮይኑ ብሄራዊ ውድባት ኦሮሞ ሒዘምዎ ንዝተልዓሉ ኣጀንዳታት ብምቑፃይ ካብ 2006 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝተልዓለ ምንቅስቓስ ቄሮ ተጠሊፉ ንረብሓ ጉጅለ ኦሮ-ኣማራ ክውዕል ተዋስኦ ተሰሪሑ፡፡ ብመፅባዓታትን ምሕፅንታን ተጀሚሩ ዝቐፀለ ጉጅለ ኦሮ-ኣማራ ሓበራዊ ፀላኢ እምበር ሓበራዊ ራኢ ዘይነበሮ ጉጅለ ጥፍኣት ኮይኑ በዝሒ ህዝቢ ተበሊፁ ስልጣን ብምጭባጥ ኣሃዳዊ ልኡኹ ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ቀዳማይ ሕሪያ ገይሩ ወሲድዎ፡፡ “ግራት ገመቹ ተሸይጡ ሓጎስ ስለ ዝሰፈረሉ፤ ገመቹ ኣብ መሬቱ ዋረዲያ ኮይኑ” ብዝብል መርዛም ጎስጓስ ክሳለጥ ዝፀንሐ ዓመፅ ተጠሊፉ፤ ደም ኦሮሞ ደመይ ብዝብል በለፀኛ ጭርሖ ናብ ስልጣን ዝተጓየየ ሓይሊ ትምክሕቲ ተደሚሩ እንትረአ መን ናብ ስልጣን ይመፅእ እንተዘይኮይኑ ለውጢ መሪሕነት ከምዝህሉ ግድን ኮይኑ፡፡ ኣብዚ ዕስላዊ ምንቅስቓስ ብዘይካ ኣብ ትግራይ፣ ሱማሌን ዓፋርን ኣብ ኩለን ክልላት ሞትን ምምዝባልን ንቡር ኮይኑ፡፡ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ክሽቑረር፣ ኣብ ምንቅስቃሳቱ ክስከፍ፣ መገዛ ደም ከፊሉ ዘረጋገፃ ሃገር ክሓፍረላ፣ ሓቂ ሒዙ እናሃለወ ብሰኸፈት ካብ መድረኻት ባዕሉ ከግልል ተገዲዱ፡፡ ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ ኣብ ኦሮ-ኣማራ ዝተጠነሰ ውዲት ብምሽጥር ሒዙ ክጎዓዝ ኣይከኣለን፡፡ ኣብ ውሽጢ 80 መዓልቲ ብማዕኸናት ዜና ኣዛብእ ቀትሪ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሒዝዎ ዝተልዓለ መርዚ ክነፅግ ጀሚሩ፡፡ “መርከብን ኣውሮፕላንን” ተሰሪቐን ካብ ዝብል ዘይመስል ዘረባ ጀሚርካ ክሳብ ብሽጉጥ ተላፅየ ዝብሉ ተኸታተልቲ ሰነዳዊ ፊልምታት ብምፍናው ኣብ ልዕሊ መሪሕነትን ህዝቢን ትግራይ ዘለዎ ዝኸሓነ ፅልኢ ኣንፀባሪቕዎ፡፡ ደቂ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መድረኽ ዓለም እውን ክፅልኡን ነፂልካ ክውቅዑን ዘኽእል ኣወዳድባን ስራሕቲ ዴፕሎማሲን ተመዓራርዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራዋይ ኮይንካ ምርካብ ገበን ኮይኑ፡፡ ነጋዶን ኢንቨስተራትን ትግራይ ምስ ባንኪ ዝነበሮም ርክብ ክግደብን ን27 ዓመት ዝተጠቐምኩምዎ ይኣኽለኩም ተባሂሎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ወያነ ብዝብል ስም ተጓንዩ፡፡
ተደራረብቲ በደላት እናበፅሖ እውን እንተኾነ ርእሱ ከድንን ዘይከኣለ ህዝቢ ትግራይ፤ ኩለን መማረፂታት ተጠቒሙ ናብ ዓዱ ክተኣኻኸብ ጀሚሩ፡፡ ዝፈትዎን ዝነበረሉን ገዛውቱ እናራሕረሐ ናብ ትግራይ ምትእኽኻብ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ምትእኽኻብ ዘስገኦ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፤ ህዝቢ ትግራይ ናብራ ከቢርዎ ምስ መራሕቱ ንኽበኣስ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ-ወልዲያ-ኣላማጣ ክዕፆ፣ ኣብ ከተማታት ትግራይ ራዕዲን ዕግርግርን ክፍጠር እሞ ስርዓተ ንምኽባር ብዝብል ሽርሒ ሓይሊ ፌደራል ምእንታን ተፀዊዑ ክኣቱ ብሳንብኡ ዝትንፍሱ ባንዳታት ወዲቡ፡፡ ኣብ መንጎ ደቂ ትግራይ ምክፍፋል ንምፍጣር ድማ ኩራ ኣለዎ ዝተብሃለ ትግርኛ ዝዛረብ ከተኣኻኽብ ጀሚሩ፡፡ ብስም ነፃ ፖለቲካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመለሱ በዓል ኣረጋዊ በርሀ፤ ዝኸሓነ ፅልኦም ሕነ ዝፈድይሉ ዕድል ከመቻችዉ ጥጡሕ ባይታ እኳ እንተተመዓራረየሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ሓደጋ ጥፍኣት ዝተዓዘቡ ደቂ ትግራይ ኣብ ሓደ ረቢቦም፡፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ ፍልልይ ዝቕበል ሓይሊ እናተዳኸመ ብኣንፃሩ ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ትግራይ ዝረዳድኡ ኣተሓሳስባታት እናጎልሁ መፅዮም፡፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ልዕሊ ዓብዲ ሞሓመድ ዑመር ዝፈፀሞ ወታደራዊ ወፍሪ ኣብ ትግራይ ንምትግባር ከምዘይከኣል ብግልፂ ተረዲኡ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ኲናት ብምእዋጅ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ብኹሉ ዓቕሙ ተረባሪቡ፡፡ ጀጋኑ ጀነራላት ትግራይ ብምቕንፃል ኣብ ልዕሊ እቲ ን27 ዓመታት ዝተሃነፀ ወታደራዊ ኣፅዋር ኩሉ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣንቀሳቒሱ ኣፅዋርን ሎጂስቲክስን ኣዳሊዩ፡፡ ቂም ኣለና ዝበሉ ነበር ሰራዊት ደርጊን ኣብ ጥሮታ ዝፀንሑ በዓል ኣበባው ታደሰን ባጫ ደበሌን ከምኡ ድማ ሃገር ከዲዖም ዝፀንሑ በዓል ኣለምሸት ደግፌ፤ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ፃውዒት ተገይርሎም፡፡ ካብ 111 ሚልዮን ህዝቢ ዝተኣከበ ሰራዊት ውሒድዎ ዕሱብ ሰራዊት ህግደፍን ካብ ሞሓመድ ፎርማጆ ዝተረኸቡ ሰራዊት ሶማልን ተጠቒሙ፡፡ ናይ 2020 ዝተራቐቑ ቴክኖሎጂታት ድሮን ኣሜሪካ (ብሓደራ ዓረብ ኤሜሬት ዝመሓደር)፣ ኢራን፣ ቱርኪን ቻይናን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ሙሉእ ምድላው ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ኣዊጁ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብሰማይን ብምድርን ተኸቢቡ ኣብ ልዕሊኡ ጀኖሳይድ እንትፍፀሞ ኣብ ኢዱ ዝተረፈት መማረፂት ሓፂናዊ መኸተ ጥራይ ኮይና፡፡ ብዝተጓዓዞ ሜትሮ ቁፅሪ እኹል ሕክምና፣ ካብ ቁርፂ ክሳብ ዝተዓሸገ ማይ፣ ብሰማይ እኹል ስለላን መጥቃዕቲ ኣውሮፕላንን ድሮንን፣ ብመሬት ታንኪን ባንኪን ተወሲኽዎ ብዘራያት ተዓጂቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ወራር፤ እንትርፊ ህዝቡ ካሊእ ዝቋፀር ስንቂ ዘይነበሮ ፍሉይ ሓይሊ፣ ካብ እዚ ሰሜን ናብ ህዝቦም ዝወገኑ ነበር ኣባላት ሰራዊት፣ ነባር ዓቕሚን ምልሻን ትግራይ ህዝቦም ንምድሓን ተኣምር ሰሪሖም፡፡ ኮይኑ ግን እቲ ውግእ ስጋን ሓፂንን ኮይኑ፡፡ ብጋዕገልጠም ምስ ዝተዓጀበ ሽሾ ሰራዊት ገጢምካ ክሳብ መወዳእታ ምርፃም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምብታን ምዃኑ ዝተረደአ መሪሕነት ትግራይ ሓዱሽ ኣወዳድባ ንምፍጣር ወሲኑ፡፡ ዝተበታተነ ሓይሊ ትግራይ ዳግም ተወዲቡ እስትንፋስ ምእንታን ከይሰርዕ ናብ ነፍስ ወከፍ ቁሸት ዝተዘርገሐ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘስካሕክሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ህዝቢ ትግራይ ብኣልማሚት ብምቕታልን ከሰኩኑ፤ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ሃፍቲ ትግራይ ብምውራርን ብምዕናውን ተጠዋራይ ማሕበረሰብ ክፍጠር ንምግባር ዘኽእሎም ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ፈፂሞም እዮም፡፡
ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከዊልካ ትግራይ ብፀልማት ንምጥፋእ ዝተበገሰ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን፤ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጀኖሳይድ እንትእውጅ፤ ቀልቢ ሚዲያታትን ፖለቲከኛታትን ዓለም ኣብ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ተፀሚድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ፡፡ ጉጅለ ፋሽሽቲ መቐለ ምሓዙ ስዒቡ ዓለም ብዛዕባ ትግራይ ኣነ ዝበልኩዋ ጥራይ ትስማዕ ክብል ኣብቲ መፃወቲኡ ፓርላማ ቀሪቡ ተጃሂሩ፡፡
ባሕቲ ሕዳር 2013 ዓ/ም ኣብ ማይ ካድራ፣ ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር ኣብ ከተማ ኣኽሱም፣ ዕለት 21 ሕዳር ኣብ ቤተክርስትያን ማርያም ደንገላት ከምኡ ድማ ኣብ ከተማታት ሸራሮ፣ ዓዲ ሃገራይ፣ዛላንበሳ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ሰቲት ሑመራ፣ ውቕሮ፣ መቐለ፣ ሃገረ ሰላም፣ ዓብይ ዓዲ፣ ወርቃምባ፣ ማሕበረ ዴጎ፣ ደብረ ኣባይ፣ ሳምረ፣ ግጀት፣ ጅጅቀ፣ ቆላ ተምቤን፣ ቦራ ሰለዋ፣ ኢሮብ ወዘተ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ብምኽሓድ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ ፓርላምኡ፤ ዋላ ሓደ ሰብ ከይቀተልና መቐለ ኣቲና ክብል ንዓለም ኣደናጊሩ፡፡
ኣብ 8 ኣዋርሕ ፃንሒት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ንብረት መንግስቲን ውልቀ ሰባትን ትግራይ ናብ ኤርትራን ኣምሓራን ተጓዒዙ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ማእኸላት ጥዒና፣ ሕርሻ፣ ማይ ትግራይ ተጓሒሉ ወይ ዓንዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብጥይትን ቁምቡላታትን ዝበፅሖ ጨፍጫፍ፤ ብቐሊሉ ክድሕኑ ብዝኽእሉ ብተመሓላለፍቲ ሕማማት ክውዳእ፣ ብጥሜት ክሳቐ ተወሲንሉ፡፡ ወለዶ ትግራይ ከይቕፅል ማህፀን ተጋሩ ክበላሾ፣ ኮነ ኢሎም መልከፍቲ ኤችኣይቪ ንክስፋሕፋሕ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ልኡኽ ዝተውሃቦም ልዕሊ 2800 ዕሱባት ሰራዊት ናብ ትግራይ ተዋፊሮም፡፡ ልሙዕ መሬት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣምሓራ፣ ከባቢታት ባደመ፣ ዓዲፀፀር፣ ዛላንበሳ፣ ዓሊተና ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ ክመሓደር፤ ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይ ድማ ፎትዩ ፀሊኡ መንነቱ ንኽልውጥ፣ ዝለመዶም ደርፍታት ቃልሲ፣ ኣብ ሓድነት ትግራይ ዝተዘየሙ ሙዚቃታት ትግራይ ካብ ሚዲያታት ትግራይ ክርሕቑ ተጌሮም፡፡
ብስም ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ልኡኽ ኣብይ ኣሕመድ፤ መንነትን ታሪኽን፣ ሃፍትን ንብረትን፣ ህይወትን ንዋይን ትግራይ እንትጠፍእ ዝምርቕ ብምዃኑ፤ ከተማ መቐለ ኣብ ኢድ ሸፋቱ ወዲቓ፡፡ ኣብ ማእኸል መንገዲ ብኻራ ምሕራድ፣ ገንዘብን ንብረትን ምሕዳግ፣ ገዛ ኣንኳሕኲሕኻ ዝደለኻዮ ምፍፃም ልሙድ ኮይኑ፡፡ ንመሰል ህዝቢ ትግራይ ክቃለሳ ዝፀንሓ ሚዲያታት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓፅየን፡፡ ንብረትን ቴክኖሎጂን ድምፂ ወያነ ትግራይ ብቐጥታ ናብ ባህርዳር ብምፅዓን መማሓየሺ ቴሌቪዥን ኣምሓራ ተጌሩ፡፡ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ውሽጡ ብዝፀንሑ ባንዳታትን ብኣብይ ኣሕመድ ብዝሰልጠኑ ኣተሓሳስባታትን ክምራሕ ተጌሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብቛንቁኡን ብንብረቱን ክስበኽ ልዑል ፃዕሪ ተጌሩ፡፡ ሚድያ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ጀኖሳይድ ከይፅብፅብ ብመምርሒ ተኸልኪሉ፡፡ 15 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ተጎጓ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ብዓለም ለኸ ሚዲያታት ሽፋን እንትረክብ ቴሌቪዥን ትግራይ ከየመሓላልፎ ተኸልኪሉ፡፡ ነቲ ጨፍጫፍ ብሓዱሹ ሙሉእ ብሙሉእ ሰኒዶም ዝመፁ ጋዜጠኛታት ሰነድ ከየውፅኡ ተዓጊቶም፡፡ ብሓፈሻ ሚዲያታትን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ ክሓብኡን ዓለም ናብ ትግራይ ገፃ ከይተማዕዱን ብሙሉእ ዓቕሞም ፅዒሮም፡፡