Home ዜና ጅምላዊ ቕትለት ኣብ ምዕራብ ወለጋ

ጅምላዊ ቕትለት ኣብ ምዕራብ ወለጋ

1292

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዕጡቓት ሓይልታት ብዘወሰድዎ መጥቓዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐተሉ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ኣጋዊሑ፡፡

ዕጡቓት ሓይልታት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ቁሸታት ብሰንኪ ዝኸፈትዎ መጥቓዕቲ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐተሉ ካብቲ ኲነት ዘምለጡ ነበርቲ ተወኪሱ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ጣብያ ቶሌ ብኣብዛሓ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ዝነብርሉ ቁሸት ብሰንኪ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ድማ ካብ መረበቶም ከምዝሃደሙ ግዳያት ሓቢሮም፡፡

ኣብዚ ሳልስቲ እውን ኣባላት ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ፋኖ ሓይሊ ኣምሓራ ኤፍኤስኣር ኣብ ዝዓይነታ ናይ ፅዕነት መኪና ተፃዒኖም ንዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ካብታ መኪና እናውረዱ ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ብጅምላ እናረሸንዎም ዘርእይ ምስሊ ከምዝተቃለዐ ይፍለጥ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ንነዘ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ጎንፅታት ሳዕሪሮም ንፁሃን ሰባት ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኣደባባይ ምቕንፃል ንቡር ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብፀጋይ መኮነን