Home ዜና ግደ ሚዲያታት ንብራኸ ትግራይ

ግደ ሚዲያታት ንብራኸ ትግራይ

1045

ንምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግደ ሚዲያታት ብዕቱብ ክረአ ማሕበር ፍትሕን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ (ኤስ.ጂ.ቲ) ፀዊዓ፡፡

ማሕበር ፍትሕን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ (ኤስ.ጂ.ቲ) ህዝቢ ትግራይ ኣብታ ሃገረይ ኢሉ ዝነብረላ ዓዲ ዝበፅሖ ዘሎ ግፍዕን ዓፀባን ኣብ ዓለም ለኸ መጋባእያ ግቡእ ፍትሒ ንክረክብ ትቃለስ ምህላዋን እዚ ቃልሲ ንምዕዛዝ ግደ ሚዲያታት ብዕቱብ ክስርሐሉን ፃውዒት ኣቕሪባ፡፡

ማሕበር ፍትሕን ድሕንነትን ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱ ተፈልዩ ክቕጥቀጥ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝወስድ መንገዲ ተዓፅዩ ክመውትን ኣብ ኩለን ጫፋት ኢትዮጵያ ብመንነቱ ክግለልን ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ምምስራቱ ዘዘኻኸሩ ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ዶክተር ተካ ንጉስ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ዝፈፀምዎ ቅሉዕ ወራር ድማ ምስ ኩሎም ዲያስፖራ ትግራይ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ብደረጃ ዓለም ግቡእ ፍርዲ ክረክብ ዲያስፖራ ትግራይ ዝጀመርዎ ቃልሲ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉን፤ ኣብ መሬት ትግራይ ይፍፀም ምስ ዘሎ ጅግንነት ተናቢቡ ክኸይድ ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ተካ ማሕበር ፍትሕን ድሕንንትን ትግራይ ድማ ዝተጣየሸትሉ ዕላማ ክሳብ ዝወቅዕ ብዝተወደበ መልክዕ ከም እትሰርሕ ገሊፆም፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ከም ኣፃብዕቲ ረቢቡ ዝገበሮ ታሪኻዊ መኸተ ልዑል ፅዕንቶ እናፈጠረ ከም ዝመፀን ከም ኤችኣር-6600ን ኤስ-3199 ዝኣምሰሉ ጉዳያት ሕጊ ኮይኖም ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ርእሰ-ጉዳያት ኮይኖም ክምከረሎም ምግባሩ ዝጠቐሱ ዶክተር ተካ፤ ብቐፃልነት እውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዒላምኡ ክሳብ ዝወቅዕ ተጠናኺሩ ክቕፅልን እቲ ቃልሲ ብሚዲያታት ተዓጂቡ ናብ ኩሉ ክባፃሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ዲያስፖራን ውሽጢ ዓዲን ዘለዉ ደቂ ትግራይ ብዘይካ ፀኒዕኻ ምቅላስ ካሊእ መማረፂ የብሉን ዝበሉ ምክትል ፕረዝደንት ማሕበር ፍትሕን ድሕንነትን ትግራይ ኣይተ የማነ ሓለፎም ብግድኦም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለም ምስ ዘሎ ተለዋዋጣይ ኩነታት ተዓፃፃፋይን ተዓዋታይን ኮይኑ ክምራሕ የድሊ አሎም፡፡

ማሕበር ፍትሕን ድሕንነትን ትግራይ ዘለዋ ዕድል ተጠቒማ ኣብ እትገብሮም ምንቅስቓሳት ኣንፈት ኣብ ምሓዝን ምስ መንግስትን ሴናተራትን ኣሜሪካ፣ ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ካልኦት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ እንገብሮም ርክባት ምስ መንግስቲ ትግራይ ተመኻኺርካ ምስራሕ ኣድላይ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ የማነ፤ ምስ ጀኖሳይድ ትግራይ ተዛሚዶም ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ አሎም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ