Home ዜና ጠለብ ዘበናዊ እታወታት ሕርሻ ሓረስቶት ማይቅነጣል

ጠለብ ዘበናዊ እታወታት ሕርሻ ሓረስቶት ማይቅነጣል

596

ወይዘሮ መብራት ነጋሽን ቀሺ ወልደብርሃን ወልደገብርኤልን ነበርቲ ወረዳ ማይቅነጣል ጣብያ ላኼናይ እንትኾኑ ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ስራሕቲ መስኖ ተዋፊሮም ዓርሶም ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ምህርቶም ኣብ ዕዳጋ የቕርቡ ከምዝነበሩን ሐዚ ግና ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኵናት ሃፍቶምን ጥሪቶምን ከምዝተወረረ ይዛረቡ፡፡

ብእከይ ተግባር ወረርቲ ሓይልታት ዘይተሰኮኑ እዞም ሓረስቶት ዝበፀሖም ፀገማት ተፃዊሮም ዘላቶም ዓቕሚ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ተዋፊሮም ይርከቡ፡፡ኣይተ ታፈረ ወልደብርሃን እውን ነባሪ ወረዳ ማይቅነጣል ጣብያ እንዳ ፈላሲ እዮም ኣብ ዝተውሃበቶም ሓደ ሄክታር መሬት ቀወምቲ ተኽልታት ብምልማዕ ኣብ ዓመት ልዕሊ 400 ሽሕ ብር ኣታዊ ከምዘነበሮም ይዛረቡ፡፡

ይኹን እምበር ይብሉ ኣይተ ታፈረ ብሰንኪ ዘጋጠመ ወራር እቶም ቀወምቲ ተኽልታት ብዝበፀሖም ዕንወትን ግቡእ ክንክን ብዘይመርካቦምን ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝህብዎ ዝነበረ ምህርቲ ከምዝቀነሰ ገሊፆም፡፡

ኮምፖስት ተጠቂምና ኣብ መሰኖ ተዋፊረና ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ሓረስቶት ዘመነ ምህርቲ 2015/16 ዓ/ም ንምድንፋዕ ግና ኣብ ቀረብ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ፀገም ከምዘሎን እዚ ብህፁፅ ክፍታሕን ሓቲቶም፡፡

በዓል ሞያ ልምዓት ዝርኣቲ ወረዳ ማይቅነጣል ካሕሳይ መረሳ ብወገኑ እታ ወረዳ ልዕሊ 8500 ኩንታል ዘመናዊ ድኽዒ ከምዘድልን ክሳብ ሐዚ ዝኣተወ ግና 460 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ጥራሕ ብምዃኑ ናብ ኩሉ ሓረስታይ ክባፃሕ ከምዘይከኣለ ገሊፁ፡፡

ኢየሩሳሌም ገ/መድህን