Home ማሕበራዊ ጠላዕ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ድርድር ሰላም

ጠላዕ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ድርድር ሰላም

1380

ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ጀኖሳይድ መዕለቢ ክረክብ ዘላቂ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ  መውፅኢ መንገዲታት ከናድዩ ፀኒሖም እዮም ፡፡ እቲ ቀዳማይ መውፅኢ መንገዲ ድማ ሰላማዊ ልዝብን ዘተን ከምዝኮነ ብዕሊ ኣፍሊጦም ፡፡

ይኩን እምበር ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ሰላማዊ መፍትሒ ነፂጉ መንገዲ ኲናት መሪፁ፡፡ ቅልፅም ህዝቢ ትግራይ ብተግባር ምስረኣየ ድማ ተገዲዱ ንድርድር ሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ምኽሪ ተጠሊዑ መደረ ኣስሚዑ። ይኹን እምበር እቲ ቅሩብነት ንድርድር ሰላም ግዜ ንምሽማትን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን ዝጥቀመሉ ዘሎ ጠላዕ ወይ ቁማር ከምዝኮነ መርትዖታት ኣለው ።

ክልከላ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ሓደ ኣብነት እዩ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዝገበሮ ስምምዕነት ግዝያዊ ተፃብኦ ኲናት ጠጠው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ  ብእኹል መጠንን ኣብ እዋኑን ክኣቱ ዝብሉን ካልኦትን እዮም። ይኹን እምበር ሰብኣዊ ሓገዝ ብእኹል መጠንን ግዜን ከይኣቱ ማሕበረሰብ ዓለም ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ኣብ ምትዕንቃፍ ተፀሚዱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ እተን ዝርካበን መቐለ ዝኣተዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ከይበፅሕ ክልከላ ነዳዲ ከም መሳርሒ ጀኖሳይድ ይጥቀመሉ ኣሎ። እዚ እውን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንድርድር ሰላም ቅሩብ ከምዘይኾነ ዓብይ መረዳእታ እዩ።

ብተዛማዲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ፀበባን መከራን ስለዘተሓሳስቦ እቲ ሰብ ስራሕ ፀበባን መከራን ንዓመታ ከይድገም ብምሕሳብ ልዕሊ 650 ሽሕ ዘመናዊ ድኹዒን ልዕሊ 500 ሽሕ ድማ ምሩፅ ዘርኢ ክረክብ ቅድሚ ሕዚ ብዘይተለመደ ኣገባብ ብነፃ ክዕደል እሞ ፍርያትን መፍረያይነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዕባይ ዝወሰዶ ተበግሶ መመኽነይታ ብምድርዳር ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝገብሮ ዘሎ ጠላዕ እውን ካሊእ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ንድርድር ሰላም ቅሩብ ከምዘይኮነን ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ናይ ዝገብሮ ዘሎ ሽርሒ ሓደ ኣካል  እዩ ።

እዚ እኩይ ሰይጣናዊ ስራሕ ዝተረደኣ ሓረስታይ ትግራይ ድማ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዒን ዝለመደ መሬቱ ኣለሳሊሱ ክፅበ ፀኒሑ፤ ሐዚ ተስፋኡ ስለዝፀልመተ ብዘይ ዘመናዊ ድኹዒ መሬቱ ከምዝዘርአን ፀረ-ባልዕን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ክዘርእ ተገዲዱ። እዚ ተግባር ክልከላ ሓገዝ ሙሩፅ ዘርኢን ዘመናዊ ድኹዒን ድማ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክፀንት ዝዓለመ ሻጥር እዩ።

ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ብድርድር ሰላም ይሽቅጥ ከምዘሎ ካሊእ ጉዳይ ድማ ዕድመ ልክዖም ንዓዶም ዘገልገሉ ኣባላት ሰራዊት ግዳይ መቅተልቲ፣ መግረፍቲን ማእሰርትን ይኮኑ ኣለዉ፡፡ ኣብ ዝኮነ ፖለቲካዊ ንጥፈት ዘይርከቡ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍፅም ኣሎ። ብዓብዩ ድማ  ኣብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድን ብድርድር ሰላም ጠላዕ ይፃወት ከምዘሎ ዓብይ መረጋገፂ እዩ ።

ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን መዛምርቱን ንሰላማዊ ድርድር ቅሩባት ከምዘይኮኑ ዘረጋግፁ ካልኦት መርትዖታት እውን ኣለው። እቲ ዝግበር ድርድር ሰላም ብሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ክውዳእ ከም ቅድመ ኩነት ተቀሚጡ  እንዳሃለወ ገበቲ ሓይሊታት ኣምሓራ መሬት ወልቃይት ንምግባት ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ውሳነ ሓሳብ  ኣቅሪቦም። ድርድር ሰላም ኣብ ዝበሃለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነጋሪት ኲናት ዝወቅዑ እውን ኣለው።

ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ንድርድር ሰላም ብተግባር ከምዘይቅበል ዝፈልጥ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘላቂ ረብሓን መሰልን ትግራይን ህዝባን ከምዘይዋገን ትግራይን ህዝባን ዝሽኻሉ ድርድር ከምዝገብርን እዩ። እቲ ዝግበር ድርድር ሰላም እዉን ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ዝሽካሉ ክከዉን ሙሁራን ይምዕዱ ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንመንነቱን ህላወኡን ዝገብሮ መኸተ ብዝኮነ ምደራዊ ሓይሊ ዝኹለፍ ኣይኮነን፤ ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዘመናዊ ድኹዒን ሙሩፅ ዘርኢን ተኸልኪሉ እውን እታ ዝርካባ መሬቱ ሓሩሱ ኣለሳሊሱ ዓርሱ ንምኽኣልን ሽርሒ ፀላእቲ ንምፍሻልን ብሙሉእ ዓርሰ ልቦናን ተስፋን መሬቱ ዘሪኡን ይዘርእን ኣሎ። ፅባሕ ክትወግሕ እያ። ትግራይ ትስዕር! ድማ ይብል ሓረስታይ ትግራይ ።

ስለዝኾነ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ብስም ድርድር ሰላም ግዜ ንምሽማትን ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን ዝገብሮ ዘሎ ጠላዕ ዓርሱን መዛምርቱን ካብ ምሽዋድ ብዝዘለለ ንህዝቢ ትግራይ ከደናግር ኣይክእልን። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ዓፀባን መከራን ወፂኡ ብነፃነት ዓርሱ ብዓርሱ ከመሓድር፣ ዝሓሸ መነባብሮን ምዕባለን ከመዝግብ ሕዚ ዘለዎ ስምረት፣ ሓድነትን ቃልሲን መሰረት እዩ። ስምረቱን ሓድነቱን ዓቂቡ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ከረጋግፅ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ድርድር ሰላም ዝገብሮ ዘሎ ጠላዕ ፈሺሉ ተገዲዱ ናብ ድርድር ክኣቱ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ካብ ዝኮነ እዋን ንላዕሊ ክታሙ ከዕርፍ መልእክትና እዩ ።

ብሰለሙን በርሀ