Home ዜና ፀገም ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል

ፀገም ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል

503
0

ኣብ  ከተማ  ሽረ  እንዳስላሰ  ዝርከቡ ተመዛበልቲ  ጉድኣት ኣካል  ፀገሞም  ካብቲ  ካልእ ተመዛባሊ ንላዕሊ ዝከፍአን ኣዝዩ መሰከፍን  ምዃኑ ጉድእቲ  ኣካል ንእስቲ ታሪክ ታደሰ ኣብ ዘካየደቶ መፅናዕቲ ከምዘረጋገፀት ተዛሪባ::     

                       

ንእስቲ ታሪክ ታደሰ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ትርከብ  ጉድእቲ ኣካል እያ::እዛ ንእስቲ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል ዘሎ ፀገም ብምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ፍቓድ ተዋሂብዋ መፅናዕቲ እናካየደት ትርከብ:: ነዚ  ክትስርሕ ዘለዓዓላ ምኽንያት ድማ ባዕላ እትነብሮ  ህይወት ብምዃኑን ፀገሞም እውን ኣብ ልዕሊኣ ዝበፅሕ ዘሎ ሽግር ከምዝኮነን ገሊፃ::                                               

ፋሽስታውያንን  ገበቲ  ሓይልታትን   ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈፀምዎ  ወራር ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኣካል ሰፍ ዘይብል ግፍዒ ከምዝተፈፀመ  ካብቲ መፅናዕቲ ከምተገንዘበትን ብኣካል ዝረኸበቶም ግፍዒ ዝተፈፀሞም ሰባት ብዙሓት  ከምዘለውን ኣረዲኣ::

ተመዛበልቲ ወገናት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ፀገም ንምዝራቡ፣ ንምስምዑን ንምርኣዩን ኣዝዩ ዘፀግም እዩ ዝበለት ንእስቲ ታሪክ ማ/ሰብ ዓለም ይኹን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢና ዝብሉ ኣካላት  ስቕ ኢልካ ካብ ምርኣይ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ ኢላ::                                               

ብምዕራፍ ገ/ፃዲቕ

Previous articleቅዋም ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዘተ ሰላም
Next articleሓበራዊ መግለፂ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን