Home ዜና ፀገም ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል

ፀገም ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል

906

ኣብ  ከተማ  ሽረ  እንዳስላሰ  ዝርከቡ ተመዛበልቲ  ጉድኣት ኣካል  ፀገሞም  ካብቲ  ካልእ ተመዛባሊ ንላዕሊ ዝከፍአን ኣዝዩ መሰከፍን  ምዃኑ ጉድእቲ  ኣካል ንእስቲ ታሪክ ታደሰ ኣብ ዘካየደቶ መፅናዕቲ ከምዘረጋገፀት ተዛሪባ::     

                       

ንእስቲ ታሪክ ታደሰ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ትርከብ  ጉድእቲ ኣካል እያ::እዛ ንእስቲ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል ዘሎ ፀገም ብምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ፍቓድ ተዋሂብዋ መፅናዕቲ እናካየደት ትርከብ:: ነዚ  ክትስርሕ ዘለዓዓላ ምኽንያት ድማ ባዕላ እትነብሮ  ህይወት ብምዃኑን ፀገሞም እውን ኣብ ልዕሊኣ ዝበፅሕ ዘሎ ሽግር ከምዝኮነን ገሊፃ::                                               

ፋሽስታውያንን  ገበቲ  ሓይልታትን   ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈፀምዎ  ወራር ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኣካል ሰፍ ዘይብል ግፍዒ ከምዝተፈፀመ  ካብቲ መፅናዕቲ ከምተገንዘበትን ብኣካል ዝረኸበቶም ግፍዒ ዝተፈፀሞም ሰባት ብዙሓት  ከምዘለውን ኣረዲኣ::

ተመዛበልቲ ወገናት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ፀገም ንምዝራቡ፣ ንምስምዑን ንምርኣዩን ኣዝዩ ዘፀግም እዩ ዝበለት ንእስቲ ታሪክ ማ/ሰብ ዓለም ይኹን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢና ዝብሉ ኣካላት  ስቕ ኢልካ ካብ ምርኣይ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ ኢላ::                                               

ብምዕራፍ ገ/ፃዲቕ