Home ዛዕባ ሎሚ “ፋኖ ዕጥቁ ይፍታሕ! ” ለበዋ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል

“ፋኖ ዕጥቁ ይፍታሕ! ” ለበዋ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል

1212

ዕጡቓት ፋኖን ምልሻ ኣምሓሩን 61 ተጋሩ ኣብ ድልድይ ተከዘ ዓዲ ጎሹ ወሲዶም እንትርሽንዎም “ ተጋሩ ብቕልጡፍ ኣይሞቱን፣ ደጊምኩም ተኩስሎም፡፡” ክብሉ ይዛረቡ ነይሮም፡፡ እዞም ዕጡቓት ነቶም ነበርቲ ብዘስካክሕ ግፍዒ ቐቲሎም ፣ ዝተረፉ ስድራ ግዳያት ድማ ከይበኽዩ ጥራሕ ከይኮነስ ከይሓዝኑ እውን ትእዛዝ ኣውሪዶምሎም፡፡ ትካላት ኣምኒስቲ ኢንተርናሽንልን ሁይማን ራይትስ ዎችን ኣብዚ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ዝተረኸበ እዩ፡፡

እቲ ፀብፀብ ብዕጡቓት ፋኖ፣ ምልሻን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ገበናት ዝርዝር ኣቕሪቡ እዩ፡፡ ንገለ መርኣያታት ክንድህስስ፡፡1. ዝፈፀምዎ ገበን ምቕታልን ፆታዊ ዓመፅን እቲ ምቕታል ልሙድ ተግባሮም ኾይኑ ቀፂሉ፡፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ከባቢ ድማ ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሞም፡፡ ንሓንቲ ጓል 27 ዓመት ዕድመ ነባሪት ከተማ ዳንሻ ልዕሊ ሽዱሽተ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ቅድሚ ህፃውንቲ ሸውዓተን ክልተን ዓመት ዕድሜኦም ደቃ ደፊሮምዋ፡፡

“ንስኻትኩም ተጋሩ ካብዚ መሬት ክትጠፍኡ ኣለኩም ፣ እከያት ኢኹምሞ ፣ ደምኩም ክነንፅሆ ይግባእ “ ይብሉ ነይሮም፡፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ልዕሊ እዚ መስካሕክሒ ግፍዖም ሓንቲ ኣብ ሑመራ እትነብር ዝነበረት ጓል 28 ዓመት ንእስቲ ደፊሮምዋ ከብቅዑ“ ወዲ እንተትኾኒ ምቐተልናኪ ጓል ኣነስተይቲ ስለዝኾንኪ ግን ካብ ኣምሓራይ ክትወልዲ ምእንታን ኢና ገዲፍናኪ “ ይብልዋ ነይሮም፡፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ጾታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት እዮም ከምዝተጠቐምሉ ፀብፃብ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽንልን ሁይማን ራይትስዎች ኣረጋጊፁ፡፡2. ተጋሩ ብቋንቋኦም ከይዛረቡ ዝፈፀምዎ ገበንብምባል ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ በቋንቋኦም ከይዛረቡ፣ ክሽቐረሩ ገበርዎም፡፡

“27 ዓመት ትግርኛ ዝተዛረብክሞ ይኣኽለኩም፣ ድሕሪ ሐዚ ኣሸንኳይዶ ክትዛረቡ ብትግርኛ ክትሓስቡ ከይትፍትኑ ’’ ብምባል ድማ ብቋንቋኦም ከይዛረቡ የፈራርሕዎም ነይሮም፡፡ ጠርነፍቲ ዕጡቓት ፋኖ ነቲ ነባራይ ህዝቢ ግልጋሎት ክረክብ እንተኾይኑ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጥራሕ ክዝረብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎምሉ፡፡ ኣምሓርኛ ከኣል ኣይትኽኣል በቲ ቋንቋ ከትዛረብ ክትፅሕፍ ኣስገዳድ ወፂኡ፡፡ኣብ መንገዲ ትግርኛ ንምንታይ ተዛረብካ ብዝብል ሰበብ ዕጡቓት ፋኖ ንትግራዋይ በመግረፍቲ ከምዝቕፅዑ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ይምስክር፡፡ ዋላ ኣብ ቤተክርስትያን እውን ቃል ትግርኛ ክትትንፍስ ኣይፍቀድን፡፡ ኣብ መንገዲ ንዘርኸብዎ ሰብ ኣብ ዘራርብሉ እዋን ብቋንቋ ትግርኛ መልሲ ምሃብ ከልኪሎም በኣምሓርኛ ክትምልስ የገድዱኻ፡፡

ብትግረኛ ዝተዛረበ ሰብ ከምዘውቃዕ ግዳያት ይምስክሩ፡፡3. ተጋሩ ንምፅራይ ብዝብል ዝፈፅምዎ ገበንከተማ ባዕኸር ፋኖን ሚልሻ ኣምሓራን እቲ ቦታ ምስሓዝዎ ቀትረ ለይቲ ብፍርሒ ትነብር ከምዝነበረት ሓንቲ ነባሪት ትገለፅ፡፡ ለይቲ ግን ዝገደደ ከምዝነበረ ትዝክር፡፡ ለይቲ መዓዝ እዩ ዝወግሕ ኢላ፣ መሬት ከይትመሲሞ ለይቲ ከይከውን ትፅሊ፤ ለይቲ ኩሉሻብ መፍርሒ ከምዝነበረት ትዝረብ፡፡ ለይቲ እናተኮሱን እናፈከሩን የፈራርሑ፣ ጥሪት እንተሃልዩካ ልክዕ ከም ናይባዕሎም በቢመዓልቱ እናመፅኡ ይወስዱ፡፡ ዝደልይዎ ሰብ ካብገዝኡ እናውፅኡ ይቕትሉ ፡፡ “ እዚ ቦታ መሬትካ ኣይኮነን ኣብ ዘይመሬትካ ድማ መሰል ክህልወካ ኣይትፀበ፤ በኣግባቡ ክትተሓዝ ከዓ ከምኡ ትፅቢት ኣይትገበር “ ዝብል መልእክታት የሕልፉ ነይሮም፡፡ ዕጡቓት ፋኖ ፤ ተጋሩ ቀሲኖም ከይነብሩ ምእንታን ዝተፈላለዩ ስልትታት እዮም ዝጥቀሙ፡፡

ዓድኹም ኣይኮነን ውፁ ካብ ዝብል ብተወሳኺ እቲ ዓዲ ፀሊእካ መሪርካ ክትወፅእ ዘግብር ስልታት ይጥቀሙ ነይሮም፡፡ ኣብ ሑመራ ንኣብነት ለይቲ ለይቱ ናብ ብሓፂን ኣብ ልዕሊ ዝተሰርሐ ገዛውቲ የእማን ይድርብዩ ፤ ደጋጊሞም የንኳሕክሑ፡፡ ኣከታቲሎም ጠያይቲ ይትኩሱ፤ በሓፂሩ ዓድኹም ኣይኮነን ውፁ ዝብል መልእኽቲ የሕልፉ፣ መውፅኢ መንገዲ ይኸፍቱልካ ግን ናብ ሱዳን ዘይኮነስ ናብ ተከዘ ሰጊርካ ኪድ ኢሎም እናበሳበሱ ይሰዱ፡፡

እቲ ዝኸይድ መናእሰይ እንተኾይኑ ክኸይድ የገድድዎሞ ዘፋንይዎ መሲሎም ተኲሶም ይቕትልዎም፡፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ጣብያ ሩዋሳ ወረቓቕቲ መተሓሳሰቢ ተበቲኑ፡፡ እቲ መልእኽቲ ፤ “ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ካብዚ ከባቢ ክለቕቕ ኣለዎ፤ እንተዘይለቒቑ ዕጫ ማይካድራ ከምዘጋጥሞ ነፍልጥ “ ዝብል እዩ፡፡ ገለ ገለ እዋን ድማ ፡ “ ተጋሩ ካብ ፅባሕ ጀሚርኩም ነዚ ከባቢ ልቐቑ “ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ፅሑፍ ይብተን ነይሩ፡፡

ካብ ሞንጎ ሓደ መዓልቲ ኣብ በዓኸር ብኢድ ፅሑፍ ተፃሒፉ ናብ ነብሲ ወከፍ ገዛ እዚ ዝሰዕብ ሓሳብ ዘለዎ ወረቐት በቲኖም ፡ -“ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ እንተዘይወፂኩም ኣብ ባዕኸር ከምታ ማይካድራ ዝገበርናያ ክንደግማ ኢና“ብተወሳኪ “ ህይወትኩም እንተደሊኹማ ካብዚ ዓዲ ልቐቑ “ ዝብል መልእኽቲ ካብ ፋኖ ደም መላሽ ዝብል ብኢድ ፅሑፍ ዝተፅሓፈ ኣብ ባዕኸር ናብ ኢድ ነብሲወከፍ ትግራዋይ ለኣኹ፡፡4. ገበን ምጉሓልን ምምንጣልን ሃብቲ ተጋሩዕጡቓት ፋኖ ካልእ ተግባሮም ስርቂ እዩ፡፡ ካብ ናይ ውልቀ ሰብ ንእሽቶ ንብረት ጀሚሩ ክሳብ ንዋየ ቅዱሳን ቤተ ክርስትያን ዝበፅሕ እዩ፡፡ ፋኖ ዝንዕቕዎ ናውቲ የለን፡፡ ሓዱሽ ዘገልገለ ዝበሃል ምምራፅ የለን፡፡

ናይ ውልቀ ሰብ ዓራት ምስ መተርኣሱ፣ ፍርናሹ፣ ኣንሶልኡ፣ ኩሉ ይወስዱ፡፡ ናይ ውልቀ ሰብ ገፊፎም ወዲኦም ናይ ትካላትን መንግስትን ናውቲ ፂዒኖም ኣግዒዞምዎ፡፡ ከም መሸላ፣ ስምስም፣ ጡጥ ዝበሉ ሃብቲ ውልቀ ሰብ ድማ ተመናጢሎምሉ፡፡ ዝኾነ ዕጡቕ ወይ ሰብ ገዛኻ ከፊቱ ዘለካ ንብረት ምውሳድ ዝተለመደ እዩ፡፡ ግደፍ ዝብሎ የለን፤ እኳ ደኣስ እንዳእከለ ፅቡቕ ናውቲ ኣሎ ተባሂሉ እዩ ዝጥቆምን ዝውሰድን፡ ባህ እንተይልዎም ድማ ክላሽን ኣላካ ተባሂልካ ትጥቆም ፣ ኣብ ዘይብልካ የብልካንሞ የብለይን እንተልይካ ትግረፍ ወይ ትቕተል፤ እቲ ውሳነ ናቶም እዩ ፤ ዝሓቶም የለን፡፡ 5. ለበዋ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልከምዚ ዝበሉ ብዙሓት ግፍዕታት ተፈፂሞም፡፡

ነዚ እውን እዩ ትካላት ኣምኒስቲ ኢንተርናሽንልን ሁይማን ራይትስዎችን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ፋኖ ዕጥቆም ክፈትሑ ክሓቱ ዝደፋፈኦም፡፡ እቶም ትካላት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዕጡቓት ፋኖን ሚሊሻን ኣምሓራ ገበን ምፅራይ ዓሌት ምፍፃሙ ምስ ኣረጋገፁ እዩ ፡፡ ናብዚ መደምደምታ ዝበፅሑ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ክምለስ እንተኾይኑ ከም ፋኖ ዝበሉ ብዘይስሩዕ ኣወዳድባ ዝተዓጥቁ ሓይልታት ብቕልጡፍ ዕጥቆም ክፈትሑን ካብቲ ከባቢ ጠቕሊሎም ክወፅኡ ዝፅውዑ ዘለዉ፡፡

መሰረት ታደሰ