Home ዜና ፍትሒ ዝፅበያ ፆታዊ ጥቕዓት ዘጋጠመን ደቂኣነስትዮ

ፍትሒ ዝፅበያ ፆታዊ ጥቕዓት ዘጋጠመን ደቂኣነስትዮ

966

ብተደጋጋሚ ፆታዊ ዓመፅ ውንኣ ስሒታ ብምንባራ እቶም ኣብ ልዕሊኣ ፆታዊ ጥቕዓት ዝፈፀሙ ሓይልታት ፅንተት ቁፅሮም ክንደይ ምዃኖም ክትዝክሮም ኣይከኣለተን።እዛ ንእስቲ ፀላእቲ ንዞባ ምዕራብ ትግራይ እንትቆፃፀሩ ነይሩ እቲ ግፍዒ ዝተፈፀማ።

ካልእ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ወረርቲ ዝኾነት ንእስቲ ነባሪት ከተማ ሓውዜን ብወገና ንብረተይ ድሕሪ ምውራሮም እዮም ነቲ ጥቕዓት ፈፂሞመለይ ትብል።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብዕስለ ምድፋረን ከይኣክል ተደፊረ ኢለን ብምዝራበን ጥራሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎናን ቁስለን ከይሓወየ ዳግማይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ተፈፂሙወን እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን በቲ ኮነ ኢሎም ወላድ ማህፀነን ንምርኻስ ብሓይልታት ፅንተት ዝበፀሐን ግፍዒ ፀይረን ህይወተን ንምምራሕ ንዝሐሸ ፅባሕ  ስራሕ ከይናዓቃ እናሰራሓ ይርከባ፡፡

ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ እውን ከማና ከይተሰኮና ብሩህ ተስፋ  ተሓንጊጠን ንዝሓሸ ህይወት ክሰርሓ ይግባእ ክብላ ድማ  እዘን ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ መልእክተን ኣመሓላሊፈን፡፡

መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ፒሪቶርያ ዝፈረምዎ ስምምዕነት ናብ ባይታ ወሪዱ ተግባራዊ ኾይኑ ተጠቀምቲ ክኾናን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ግብኦም ክረክቡ ተስፋ ከምዘለወን ገሊፀን፡፡                        

ብኢየሩሳሌም ገ/መደህን