Home ዜና ህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ቤት ፅሕፈት...

ህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ፀዊዑ።

830
0

ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ብምህላውን ኣብታ ወረዳ ስሩዕ ትምህርቲ ንምሃብ ኣፀጋሚ ኾይኑ ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ዝገለፀ ልዕሊ 8 ሚእቲ ሽሕ ብር ዝዋጋኦም ናውቲ ትምህርቲ ንሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ወረዳ ብግዱሳት ወገናት ሓገዝ ኣብ ዝተበርከተሉ እዋን እዩ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ጆርጅያ ዝነባርነተን ወ/ሮ ሃና በርሀ ምስ ስድራአን 5 ሚእቲ ሽሕ ብር ዝዋጋኡ ናውቲ ትምህርቲ ንቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ በጋሸኻ፤ብተመሳሳሊ #ደሩ ዘሃረሩ/መዳለዊ ኣዳኙ ካሜራ/ ድማ 350 ሽሕ ብር ዝዋጋኡ ናውቲ ትምህርቲ ንቐዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ስምረትን እንዳፅዮንን ወረዳ ቆላ ተምቤን ሓጊዞም፡፡

ሓገዝ ዝተገበረሎም ተምሃሮን ወለዲ ተምሃሮን ብግደኦም እቲ ዝተገበረ ደገፍ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ ኵናት ዝተቛረፀ ትምህርቲ ንምጅማር ሓጋዚ ከምዝኸውን ተዛሪቦም፡፡

መማህራን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ብወገኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ትምህርቲ ንምምሃር ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ከምዘይለ ብምሕባር ነቲ ዘሎ ፀገም ተፃውርካ ተረከብቲ ዓዲ ንዝኾኑ ህፃናት ትግራይ ምምሃር ግና ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ዝርካባ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋ ዝገለፁ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ መ/ር ኪ/ማርያም ወ/ሚካኤል ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጀሚሩ ንዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅን ወሎዶ ንምህናፅን ትምህርቲ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ በዓል ሞያ ጉዳያት ርክብ መምህር ሰለሞን ገ/ታትዮስ ህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብታደለ ዳኘው
Previous articleሕፅረት ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፈትሕ ምህዞ ኮምፖስት 21
Next articleመንግስቲ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣበል ጥሮተኛታትን ክኽፈል ማሕበር ሙሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ፀዊዑ።